ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማታት ኒው ዮርክን ኒው ጀርስን ምስ ዝተፈፀመ ፍንጀራ ቦምብ ዝጥርጠር ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ


ኣብ ከተማታት ኒው ዮርክን ኒው ጀርስን ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ምስ ዝተፈፀመ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ ብዝተኣሳሰረ ብፖሊስ ይደለ ዝነበረ ተርጣሪ ምስ ፖሊስ ኣብ ዝተገብረ ናይ ቶክሲ ምልውዋጥ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ።

ወዲ 28 ዓመት ኣሕመድ ራሓሚ ኣብ ሊንደን ኒው ጀርሲ ሎማዕንቲ ሰኒ ከምዝተትሓዘ ሰበስልጣን ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊፆም ኣለው።

ራሓሚ ምዃኑ ዝተገልፀ የማናይ ኢዱ ዝቖሰለ ዝመስል ምስ ውንኡ ብስተረቸር ተኣሲሩ ናብ ኣምቡላንስ ክፅዓን ከሎ ዘርኢ ቪዲዮ CNN ኣርእዩ’ሎ።

ብዝተኻየደ ምልውዋጥ ቶኽሲ ክልተ ፖላይስን ራሓሚን ንህይወቶም ዘየስግእ መቑሰልቲ በፂሑዎም ኣሎ።

ፖሊስ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ማንሃተን ን29 ሰባት ዘቑሰለ ናይ ቦምብ ፍንጀራ ሓዊሱ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ማዕልታት ምስ ዝበፅሑ ኣርባዕተ ፍንጀራታት ብዝተኣሳሰረ ተጠርጣሪ ንምሓዝ ኣለሻ የካይዱ እዮም ቀኒዮም።ብትውልዱ ኣፍጋናዊ ዝኾነ ኣሜሪካዊ ዜጋ ራሓሚ ኣብ ኒው ጀርሲ ይነብር።

ቢሮ ምርመራ ፌደራል FBI ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተተኮሰ ቦምብን ርሒቑ ኢሊ ከይተተኮሰ ዝተረኽበ ቦምብን ምትእስሳር እንተሃሊዩዎም ምርመራ ቀፂሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG