ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለም ስግኣት ጸጥታ ኣንጸላሊዋ'ኸሎ ንሓድሽ ዓመት 2016 ትዳለው


አብ ማእከል ጹዑቕ ናይ ጸጥታ ስግኣት ዝርከብ ህዝቢ ዓለም ንምቅባል ሓድሽ ዓመት 2016 ይዳለው። ቱርኪን ቤልጁምን ነቲ አብ ሃገረን ተሓሲቡ ዝነበረ ግብረ-ሽበራዊ መጥቓዕቲ አፍሽሊናዮ’ኢና ክብላ ከለዋ ኣሜሪካ ድማ ኣብ መሬታ ንዝተሓለነ መጥቃዕቲ ሽበራ ንምፍሻል ልዑል ጸጥታን ጥንቓቐን ትገብር ምህላዋ ትገልጽ።

ከተማ ኒውዮርክ ነቲ ልምዳዊ ናይ ሓድሽ ዓመት በዓል ንምክያድ አብ ናይ መጨረሻ ምድላው ትርከብ ብፍላይ ነቲ ዝለዓለ ምድላው ዝተገብረሉ አብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ፍርቂ ለይቲ አብ ታይም ስኳር ዝካየድ ምስንዳው ብዘንጸባርቕ ጥርሙዝ ዝተሰርሓ ኩዕሶ፡ አብዚ ክብረ በዓል ካብ ሓደ ሚሊዮን ንላዕሊ ሰባት ብኣካል ኣብቲ ቦታ ክሳተፉ ትጽቢት ተጌሩሎም ኣሎ ብተወሳኺ ካልኦት ልዕሊ ሓደ ቢሊዮን ዝኾኑ ሰባት ብቴሌቭዥን ክከታተልዎ ተስፋ ተጌሩሉ’ሎ።

ፕረዝደንት ኣዳለውቲ ክብረ በዓል ታይም ስኳር ቲም ቶምኪንስ ብዛዕባ’ቲ ክብረ-በዓል ከምዚ ኢሉ’ሎ።

‘ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለምን ብዙሕነትን ሰባት ብሓባር ናብዚ ቦታ ይመጹ። ንሓደ ኣብ ጋና ዝነብር ሰብ አብ ብሮንክስ ዘለው ቤተሰቡ ናብዚ ክብረ-በዓል ክመጽእ ይጋብዝዎ። ንነፍሲ ወከፍ ክፋል ዓለም ዝውክሉ አብዚ ክብረ-በዓል ይሳተፉ ስለዝኮነ ይመስለኒ እዚ አበዓዕላ ኒውዮርክ አብ መላእ ዓለም ተዓዘብቲ ዘለውዎ።’

ሰበ-ስልጣን ከተማ ኒውዮርክ አብታ ከተማ ንዘሎ ጽኑዕ ጸጥታ አስታት 6000 ዝኾኑ ሓይሊ ፖሊስ ከምዝዋፈር ግን ኸአ እቲ በዓል ከምዝቕጽል ይገልጹ።

እዚ ከምዚ’ኢሉ ኸሎ አብ ዋና ከተማ ቤልጁም ብራስልስ ተመዲቡ ዝነበረ ድሮ በዓል ሓድሽ ዓመትን ምትኳስን ርችትን ግን ብዘሎ ስግኣት መጥቓዕቲ ሽበራ ከምዝተሰረዘ ተፈሊጡ’ሎ። ነቲ 130 ሰባት ዝቐተለ መጥቓዕቲ ፓሪስ ካብ ዝፈጸሙ 4 ሰባት ካብ ቤልጁም ብምኳኖምን አብዚ ሰሙን ድማ ሰበ-ስልጣን’ታ ሃገር አብ ብራስለስ ምስ ዝተሓለነ መጥቓዕቲ ሽበራ ብዝተአሳሰር ክልተ ጥርጡራት አብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም ይፍለጥ። እንተኾነ ግን ነበርትን በጻሕትን’ቲ ሃገር በዚ ኩነታት ከምዘይሰናበዱ’ዮም ዝገልጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ዓለም ስግኣት ጸጥታ ኣንጸላሊዋ'ኸሎ ንሓድሽ ዓመት 2016 ትዳለው
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:11 0:00

XS
SM
MD
LG