ኣብ በበይኑ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኣህዛብ ንሓዳስ ዓመተ-2025 ብዝተፈላለየ ጽንብልን ትስፉው መጻኢን ተቐቢሎም። ካብታ ቀዲማ ዝጸንበለት ሲድኒ ናይ ኣውስትራሊያ ክሳብቲ ዝደሓደረ ምዕራባዊ ገማግም ኣመሪካ ድማ እቲ ብበይኖም ነቲ ዕለት ዝዝክሩ ልምድታት ተኸቢሩ። ኣብ ሃገራት ደቡባዊ ፓሲፊክ ንምምጻእ ሓዳስ ዓመት ኣብ ዝጸንበላሉ ሰዓታት፡ ኣብታ ብልምዲ ዝዓበየ ጽንብል ሓድሽ ዓመት ዝካየደላ ከተማ ኒው-ዮርክ ድማ 18 ሰዓታት ድሒሩ፡ ኣብቲ ብዝናብን ዝሑል ኩነታት ኣየርን ዝተራእዮ ታይምስ ስኴር ተጋቢኡ። ግዝኣት ኣመርካ ዝዀነት ሳሙዋ፡ ልክዕ ድሕሪ 24 ሰዓታት ካብ ኒው-ዝላንድ’ያ ነዚ በዓል ጸንቢላ።
እንተዀነ ኣብ ጽንብል ሓድሽ ዓመት ዝህሉ ልሙድ እምባጋሮን ሓደጋታትን’ውን ማዕረኡ ኣይወሓደን። ካብ መንጎ’ቲ ብዙሕ ተጓንፎታት ኣብ በርሊን ጀርመን ኣብ ዝነበረ ጽንብል ምቕባል ሓድሽ ዓመት፡ በቲ ዝተኻየደ ምትኳስ ሪችታት ሓደ ፖሊስን 300 ተሳተፍቲ ጽንብልን መጕዳእቲ ወሪዱዎም። ኣብ ከተማ በርሊን ጥራይ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሓይሊ ፖሊስ ንሓለዋ ተሰሊፎም ሓዲሮም።
ኣብ ከተማ ክረውዝበርግ ናይ ጀርመን፡ በዓል ክልተ ደርቢ ህንጻ ብሓዊ ተቓጽሉ፡ ፖሊስ ክሳብ ናብ ረቡዕ ዘውግሕ ንምጥፋኡ ክቃለሱ ከም ዝሓደሩ ሮይተርስ ጸብጺቡ። ብድምሩ ኣብ ጽንብል ሓድሽ ዓመት ኣብ ምልእቲ ጀርመን ሓሙሽተ ሰባት ምማቶም እቲ ዜና የመልክት።
ቅጥዒ