እዛ ትማሊ ዝተዛዘመት ዓመተ 2023፡ ካብ ሲድኒ ኣውስትራሊያ፣ ዱባይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ክሳብ ሪዮ ዲ ጄኔሮ ክሳብ ኒው-ዮርክ፡ ኣብ ትሕቲ ሰግለለት ስግኣትን ብሩህ ተስፋን ሓሊፋ ኣላ። ኣብ በበይኑ ወገናት ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ጎንጺ ነቲ ዝካየድ ጽንብላት ዓብሊሉ ኣምስዩ ኣሎ።
ኣብታ ሓድስ ዓመት ቀዲማ እትጽንብል ኣውስትራሊያ፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ኣብ ሲድኒ ተረኺቦም ነታ ዓመት ክትፋኖ ጸንቢሎም። 16 ሰዓታት ካብ ሲድኒ ድሒራ ኣብ ዝነበረት ከተማ ኒው-ዮርክ፡ ኣብቲ ካብ በበይኑ ወገናት ኣመሪካ ተዓዛቢ ዝውሕዞ ታይምስ ስኲር (Times Square) ህዝቢ ነቲ በዓል ብጽቡቕ መንፈስ ኣሕሊፉ ኣሎ።
ፈረንሳ፡ ገለ ናዕቢ ከይፍጠር ስለ ዝሰግአት፡ ንፓሪስ ጥራይ ኣስታት 90-ሽሕ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ሓለዋ ተዋፊሮም ውዒሎምን ኣምስዮምን።
ካብ ኣተንስ ግሪኽ ናብ ናይሮቢ ኬንያ፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ኣብ ዓለም ዝነውሕ ህንጻ ቡርጅ ኻሊፋ ናይ ዱባይ፡ ኣንጻባራቒ መብራህታትን ንሰማይ ዘማዕረገ ተዅሲ ርችታትን ተራእዩ።
ቻይና ብዝተዛማዲ ነቲ በዓል ብንኡስ ዓቐን’ያ ጸንቢላቶ። ንድሕነት ከባቢ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ርችታት ምትኳስ ከልኪላ’ያ። ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ድማ ሃገሩ ኣብዛ ዓመት ኣብ ዳግመ-ሕይወት ቍጠባ ክትሰርሕን ንደሴት ታይዋን ክትመልሳ ምዃናን ቃል ኣትዩ።
እታ ብድሮ ብዝተበከለ ኣየር ከም እትሳቐ ናይ ህንዲ ኒው ደልሂ፡ እቲ ዝነበረ ርችታት መሊሱ ብከላ ከይፈጥር ተሰጊኡ ነይሩ።
ኣብ ቶክዮ ጃፓን፡ ንጽንብል ኣብቲ ዓመታዊ ዝዝከረሉ ስድራ ዝተረኽቡ፡ ውዑይ ጸባን ስብቆ ዕፉንን ተዓዲሎም።
ኣብ ኮፓካናባ ናይ ሪዮ ዲጀኔሮ -- ብራዚል፡ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ንጽንብል ሓድሽ ዓመት ተረኺቦም።
ኣብ ሩስያ ዓመታዊ ጽንብል ዝካየደሉ ዝነበረ ቀይሕ ኣደባባይ ሞስኮ፡ ሎሚ ዓመት እቲ ጽንብል ተሰሪዙ’ዩ። እቲ ወግዓዊ ጽንብል ደኣ ይሰረዝ እምበር፡ ገለ ነበርቲ ግን ናብቲ ቦታ ውሒዞም’ዮም። ፕረዚደንት ፑቲን ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተቐርጸ ናይ ሓድሽ ዓመት መደረ፡ ንሩስያ ዝዀነ ሓይሊ ከም ዘይመቕላን ካብ መንገዲ ምዕባለ ከም ዘይተገትኣን ተዛሪቡ።
ኣብታ ኣብ ካልእ ኲናት ተጸሚዳ ዘላ እስራኤል፡ ዓበይቲ ርሻናት ቴልኣቪቭ፡ ብሓማስ ተጨውዮም ንዘለዉ ዜጋታት ናጻ ክልቅቑ ዘመልክት ብጫ ሕብሪ ተቐቢአን ኣምስየን። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ድማ እቲ ኲናት ንዝመጽእ ኣዋርሕ ክቕጽል ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።
እቶም ተመዛቢሎምን ብዘየዕርፍ ደብዳብ እስራኤል ጸምልዮምን ዘለዉ ነበርቲ ቓዛ ዝዀኑ ፍልስጤማውያን ግን ቃንዛኦም ስለ ዘይዓረፈ ንሓድሽ ዓመት ክጽንብሉ ከም ዘይክእሉ ካብቶም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይሕብሩ።
ኣብ ዒራቕ መብዛሕትኦም ጽሕዲ ልደት ብባንዴራ ፍልስጤም ተሸሊሞም ይርኣዩ። ንኽብሪ ፍልስጤማውያንን ዝኽሪ ነቲ ዝወርዶም ዘሎ ስቓይን ብምባል ኣብ ባቕዳድ ተሰሪዑ ዝነበረ ጽንብል ሓድሽ ዓመት ተሰሪዙ’ዩ።
ኣብታ ዝበዝሕ ህዝባ ኣማኒ እስልምና ዝዀነ ፓኪስታን’ውን፡ ምስ ፍልስጤማውያን ንምድንጋጽ፡ እቲ ጽንብል መንግስቲ ሰሪዙዎ’ዩ።
ምስ ጽንብል ሓድሽ ዓመት፡ መብዛሕትአን ዓበይቲ ከተማታት ዓለም ጎንጺ ስለ ዝርኣየን፡ ብዙሓት ካብተን ብዙሓት በጻሕቲ ዘለወን ርእሰ-ከተማታት ዓለም ኣብ ተጠንቀቕ’የን የሕሊፈንኦ።
ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ነቲ ዓሚ ብጎዘሞ ዝነበረ ምትህርራም ንምውጋድ፡ ፖሊስ ሓለዋ ኣጽዒቖም’ዮም ውዒሎምን ኣምስዮምን። ሎሚ ዓመት ዘከስክፍ ተርእዮ ከም ዘይነበረ ግን ከንቲባ እታ ከተማ ኤሪክ ኣዳምስ ኣመልኪቱ።
ኣብታ ሓያሎ ነጋድያን ንጽንብል ሓድሽ ዓመት ዝመጽኣ ኣመሪካዊት ከተማ ላስ-ቬጋስ፡ ንድሕነት በጻሕቲ ብዝብል ምኽንያት ሓያሎ ጽርግያ እታ ከተማ ንመካይን ዕጹዋት’ዮም ኣምስዮም። ኣስታት 400-ሽሕ ህዝቢ ነቲ በዓል ሓድሽ ዓመት ከም ዝጸንበሎ ይምገም።
ኣብ በርሊን፡ ኣስታት 4500 ዝበጽሑ ኣባላት ፖሊስ ነቲ ከም ዓሚ ኣብታ ከተማ በርሊን ዝተራእየ ዕግርግር ንምሕላው ኣብ ተጠንቀቕ ኣምስዮም። ኣብቲ ሓያሎ ፍልስጤማውያን ዝነብሩሉ ናይ ከተማ በርሊን ኣከባቢ’ውን ሰለማዊ ስልፊ ከይካየድ ከልኪሎም’ዮም።
ቅጥዒ