ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ምዕባለ፣ ሰናይ ምሕደራ፣ ዴሞክራሲን ሰላምን ቀንዲ ትኹረተይ ክኾኑ'ዮም' ኢሎም ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ


ኣምባሳደር ማይክል ሬይነር
ኣምባሳደር ማይክል ሬይነር

ብፕረዚደንት ዶናልድ ጄይ ትራምፕ ዝተሾሙ ሓድሽ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሚስተር ማይክል ረይነር ኣዲሳበባ ኣትዮም።

ባዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑን ዝኾኑ ኣምባሳደር ማይክል ሬይነር ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ኮይኖም ኣገልጊሎም’ዮም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:02 0:00

‘ዘደንቕ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኩሉ-ሻዕ እናተወደሰ ዝነብር’ዩ። ብዛዕባ መጻኢ ጊዜ ክሓስቦ ከለኹ ድማ ዝያዳ የህንጡወኒ’ውን’ በሉ ኣምባሳደር ረይነር።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ቀንዲ ትኹረተይ ‘ምርግጋጽ ምዕባለ ኢትዮጵያ፣ ምምሕያሽ ዘፈራት ጥዕናን ትምህርቲን፣ ምጥንኻር ትካላት ሰናይ ምሕደራን ዴሞክራሲን ከምኡውን ኣብ’ቲ ዞባ ሰላም ንክዓስል ምሕጋዝን’ዩ ኢሎም።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ህዝበንን ነዊሕ ንዝዘለቐ ዝምድናታት ንምሕያል ክንዲ ዝካኣለኒ ክሰርሕ’የ በሉ ኣምባ ሬይነር።

ብፕረዚደንት በራክ ኦባማ ተሸይመን ዝነበራ ኣምባሳደር ፐትርሽያ ሃስላክ እዋን ስርሐን ዛዚመን ዝወጻሉ ጊዜ ነሓሰ 2016 እዩ ነይሩ። ድሕሪአን ኣብ ኢትዮጵያ ባዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣይነበረን።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:04 0:00

XS
SM
MD
LG