ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበገሲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ብዝሒ ሕማም ዓሶ ተርእዮ ሓድሽ ዓይነት ጣንጡ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

መበገሲ ኣብ መጀመሪያ እዚ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ዝለዓለ ለበዳ ሕማም ዓሶ ሓዱሽ ዓይነት ጣንጡ ክኸውን ከምዝኽእል ተመራመርቲ ገሊፆም።ገለ ክኢላታት ከምዝሓበሩዎ እዚ ሓዱሽ ክስተት ነቲ ሕማም ኣብ ምክልኻል ንዓመታት ዝተመዝገበ ምዕባለ ኣብ ፈተና ዘውድቕ እዩ ክብሉ ስግኣቶም ገሊፆም።

እዚ ዓይነት ጣንጡ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ህንዲ ይርኣይ ዝነበረ'ኳ እንተኾነ ኣብ ቀረባ ግን ኣብ ገለ ክፋላት ኣፍሪቃ ይረአ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።እዚ ሓዱሽ ዘርኢ ጣንጡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ጅቡቲ ብዝለዓለ ደረጃ ዝተርኣየ ምውሳኽ እቲ ሕማም ምኽኒያት ምዃኑ ጥርጣረ ኣሎ።እቲ ምስፍሕፋሕ ሕማም ውድብ ጥዕና ዓለም እታ ጣንጡ ከይሰፍሕ ተበግሶታት ክወስድ ኣኽኢሉዎ እዩ።

እቲ ኣሰካፊ ነገር ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ስራሕ ዘሎ ቀንዲ ኣሰራርሓ ምቁፅፃር ጣንጡ ኣንፃር እዚ ሓዱሽ ዓይነት ጣንጡ ብዝግባእ ዘይክሰርሕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት እዩ።

XS
SM
MD
LG