ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጣልያናዊ ኩባንያ ኢታካ ኣብ እንደርታ ንሓድሽ ፋብሪካ ዓለባ ኣመሪቑ


ሓድሽ ፋብሪካ ዓለባ ኢታካ ተመሪቑ
ሓድሽ ፋብሪካ ዓለባ ኢታካ ተመሪቑ

ሓድሽ ፋብሪካ ዓለባ ኢታካ ኣብ ዞባ እንደርታ መቐለ ትማሊ ተመሪቑ ተኸፊቱ።

ወናኒ’ቲ ፋብሪካ ጣልያናዊ ጉጅለ ካልዞድያ ከምዝኾነን፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ 22 ሚልዮን ቅርሺ ዝዋግኡ ፍርያት ዓለባ ወርሓዊ ናብ ዕዳጋ ዓለም የቕርብ ከምዘሎ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ፋብሪካ ዓለባ ኢታካ ን1, 100 ሰባት ዕድል ስራሕ ዝኸፈተን፣ በዝሒ ሰራሕተኛታት ናብ 1, 500 ክብ ከምዝብልን ትካል ዜና ፋና ብሮድካስት ዝላኣኾ ሪፖርት ይሕብር።

ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ’ቲ ፋብሪካ ክልልዊን ፈደራላዊን ከምኡውን ወነንቲ እቲ ፋብሪካ ተረኺቦም ነይሮም።

XS
SM
MD
LG