ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብከላ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ምኳኑ ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ኣፍሊጡ


ብከላ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ምኳኑ ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ኣፍሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:54 0:00

ብከላ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ምኳኑ ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ኣፍሊጡ

ብመሰረት ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ብከላ ልዕሊ ኩናት፡ግብረ ሽበራ፡ ባህርያዊ ሓደጋ፡ምትኻክ ሽጋራን ሕማምን ቀንዲ ጠንቂ ሞት ምኳኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ላንሰት ዝተባህለ መጽሔት ዝወጸ መጽናዕቲ ኣብ ዓመተ 2015 ብሰንኪ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኮነ ወጻኢ ዘጋጥም ብከላ ትሸዓተ ሚልዮን ሰባት ምሟቶም ይሕብር; እዚ ማለት ድማ ሓደ ካብ ሽዱሽተ ሰባት ብሰንኪ ብከላ ይመውት ማለት እዩ ክብል እቲ መጽናዕቲ የረድእ።

ከተማ ኒውደሊ ህንዲ ሓንቲ ካብተን ብብዝሒ ብከላ ኣየር ብቀዳምነት ትስራዕ ከተማ ምኳና ተገሊጹ’ሎ።

ነቲ መጽናዕቲ ዘሕተመ ጸሓፊ ብከላ ከም መሰል ህይወት፡ ጥዕና፡ደሕንነት፡ውሕስነት ስራሕን ከም ህጻናት ዝአመሰሉ ተነቐፍቲ አካል ሕብረተሰብ ምኽልካል ዝአመሰሉ መሰረታዊ መሰላት ደቂ ሰባት ስግኣት ዝፈጥር እዩ ይብል።

እቲ መጽናዕቲ ዝበዝሓ ካብቲ ብብከላ ዝረአ ሞት ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ዘጋጥም ምካኑ ብምጥቃስ መራሕቲ እዘን ሃገራት ካብ ኣብ ከባብያዊ ሕግታት ኣብ ምህናጽ ቁጠባን ትሕተ ቅርጽን ከምዘተኹሩ እቲ ወሲኹ የረድእ።

ባንግላዴሽ፡ቻይና፡ሃይቲ፡ህንዲ፡ፓኪስታን፡ሰሜን ኮርያን ደቡብ ሱዳንን ገለ ካብተን ብከላ ዝያዳ ዝረኣየለን ሃገራት እየን።

XS
SM
MD
LG