ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰኔጋላዊያን ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ዝቐንዐ ሓዲሽ ጉዕዞ ጀሚሮም ኣለዉ


ሰኔጋላዊያን ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ዝቐንዐ ሓዲሽ ጉዕዞ ጀሚሮም ኣለዉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:57 0:00

ሰኔጋላዊያን ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ዝቐንዐ ሓዲሽ ጉዕዞ ጀሚሮም ኣለዉ

ናብ ኤውሮጳ ዝስደዱ ካብ ዝነበሩ ሰኔጋላውያን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ብላቲናዊት ሃገር ኒከራግዋ ኣቢሎም ናብ ኣመሪካ ዝቐንዐ ሓዲሽ ጉዕዞ ጀሚሮም ኣለዉ።

እንተኾነ ኩሎም ኣይኮኑን ዝቐንዖም። ገሊኦም ኣብ ዶብ ሜክሲኮን ኣመሪካን ተታሒዞም ናብ ዓዶም ዝምለሱ`ውን ኣለዉ።

መንእሰያት ርእሰ-ከተማ ሰኔጋል ዳካር፡ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝሓሸ ህይወት ይምነዩ። ንዓመታት ናብ ኤውሮጳ ብፍላይ ድማ ናብ ፈረንሳ ገጾም ድማ ክጥምቱ ጸኒሖም። ናእሽቱ ጀላቡ ጌሮም ኣሸሓት ሓደገኛ ጉዕዞ ፈቲኖም፡ ዝሃለቑ'ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣብዚ ቐረባ ግን ኣብ ዳካር ኣመራጺ መንገዲ ዝሓዘ ወረ ክብተን ጀሚሩ፡ ናብ ሕልሚ ዕድላቶም ዝቐንዐ ጉዕዞ ናብ ኣመሪካ፡ ካብ መንጎ ነቲ ወረ ዝሓለፈ ዓመት ዝሰምዑ ሓደ፡ ጉቫ ባ ይብሃል።

ጉቫ ባ “ኣብ ጽርግያታት ዳካር ኩሉ ሰብ ኒካራግዋ ኒካራግዋ ክብል ኢኻ ትሰምዕ። ድሕሪኡ ናተይ መጽናዕቲ ክገብር ጀሚረ። ናይ ነፋሪት ቲኬት ዝሸጡ ሰባት ክረኽቦም ክኢለ። ድሕሪኡ ናብ ኣመሪካ ጉዕዞ ንምጅማር ገንዘብ ከዋህልል ጀሚረ" ይብል። “9-ሺሕ ዶላር ክእክብ ክኢለ። ናብ ኒካራግዋ በረራ ጀምርና። መጀመርያ ኣብ ሞሮኮ ኣቲና፡ ድሕሪኡ ናብ ስፔን ካብኡ ናብ ሳልቫዶር ኣብ መወዳእትኡ ድማ ኒካራግዋ በጺሕና።" ድሕሪኡ ኢኻ ተሓቢእካ ናብ ኣመሪካ ትኣቱ። ጉቫ ኣብ ዶብ ተታሒዙ። ንክልተ ወርሒ`ውን ተኣሲሩ። ኣብ መወዳእትኡ`ውን ምስ ካልኦት ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ሴነጋላውያን ዝሓለፈ መስከረም 2023 ናብ ዓዱ ተጠሪዙ።ንሱ ገለ ዕድለኛታት ግን ኣይተጠረዙን ተቐቢሎሞም ይብል።

ቅድሚ ናብ ኣመሪካ ምፍታኑ፡ ብሞሮኮ ኣቢሉ ናብ ኤውሮጳ 11 ግዜ ፈቲኑ ኔሩ።ጉቫ ሕጂ`ውን ክፍትን`የ ኣብ ሰኔጋል ድሓን ክነብር ዘይክእል እንተኾይነ ይብል። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ ጥራሕ ልዕሊ 9-ሺሕ ሰኔጋላውያን ናብ ክፍለ-ግዝኣት ኣሪዞና ኣመሪካ ክሰግሩ ተታሒዞም። እዚ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣዋርሕ ዝበዝሓ ቁጽሪ`ዩ።

ኣብ ሴነጋል ብዛዕባ ዋጋታት ትኬት ነፋሪት ኣብ ፈይስቡክ ከይተረፈ`ዩ ተዘርጊሑ ዘሎ። ቁጽሪ ቴለፎን ከይተረፈ ይልጠፍ። ካብ መንጎ ዕዳጋ ዓሚርሎም ዘለዉ ሓደ ዓብዱላሂ ዶከረ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ 1,200ስደተኛታት ብናተይ ትካል ሓሊፎም ኣለዉ ይብል። ሕጋዊ ንግዲ`የ ዝኽተል ስርሓይ ከአ ዓሚሩ`ሎ ይብል። እቲ ናብ ኣመሪካ ዝግበር ጉዕዞ ካብቲ ናይ ኤውሮጳ ዝሓሸ ድሕነት ዘለዎ`ኳ እንተኾነ ዋጋ ግን ክቡር ስለዝኾነ፡ ኩሉ ክገብሮ ዝኽእል ኣይኮነን።

ሓላፊ ምክትታል ፍልሰተኛታት ሰነጋል ፕሮፈሰር ኣሊ ታንድያ፡ በዚ ኢሉ በቲ ግን፡ ንብዙሓት መንእሰያት ሰኔጋላውያን፡ እቲ ናይ ኣመሪካ ሕልሚ ድሮ ይኾነሎም ኣሎ ይብል ። እቲ ብኒካራግዋ ጌርካ ናብ ኣመሪካ ንምእታው ዝግበር ጉዕዞ ዝጥቀምሉ ሰኔጋላውያን መንእሰያት ኣብ 2024`ውን ቁጽሮም እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ይግመት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG