ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ሰለስተ ሓደስቲ ሚኒስተራት ተመዚዞም


ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ 30 ጥሪ 2016 ብቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝቐረበ ሽመት ሰለስተ ሓደስቲ ሚኒስተራት ኣፅዲቑ።

በዚ መሰረት ዋና ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነት ዝነበሩ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተር፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበሩ ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሴ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ብምዃን ተሸይሞም ኣለዉ።

ኣቐዲሙ ክልቲኡ መዝነት ብኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ሓደ ተደሪቦም ተታሒዞም ዝነበሩ'ዮም። ኣብ ቀረባ ካብ ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግና ብኽብሪ ከም ዝተሰናበቱ ዝተገለፀሎምን ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ነዊሕ ዘገልገሉን ኣቶ ደመቀ መኮነን ሎሚ ካብ ሓላፍነት መንግስቲ ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተሰናቢቶም ኣለዉ።

ኣብ ውዱብ ጥዕና ዓለም ተሓጋጋዚት ዋና ዳይረክተር ኮይነን ከገልግላ ዝጸንሓ ዶክተር መቅደስ ዳባ ድማ ንዶክተር ሊያ ታደሰ ተኪአን ሚኒስተር ጥዕና ብምዃን ተሸይመን።

ብተወሳኺ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀ/ሚ ኰይኖም ክገልግሉ ዝጸንሑ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነት፣ ትግስት ሓሚድ ድማ ዳይሬክተር ሓበሬታን ድሕነትን ኮይኖም ምምዛዞም ተሓቢሩ’ሎ።

ሎሚ ካብ መንጎ ዝተሸሙ ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሴን ዶክተር መቅደስ ዳባን ኣባል ገዛኢ ፓርቲ ብልፅግና ከምዘይኮኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ናይ ሽመት እዋን ገሊፆም ኣለዉ።

ኣምባሳደር ታየ ኣፅቀስላሴ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ብምኽትል ሚንስትርነትን ኣብ ካልኦት ሓላፍነታትን ዘገልግሉ'ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG