ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘስርሖ ሃገራዊ ማእኸል መሰልጠኒ ጥዕና ማሕበረሰብ ሎሚ ብወግዒ ተመሪቑ


ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰርሓ ሃገራዊ ማእኸል መሰልጠኒ ጥዕና ማሕበረሰብ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰርሓ ሃገራዊ ማእኸል መሰልጠኒ ጥዕና ማሕበረሰብ

መንግስቲ ኣሜሪካ ብልዕሊ 150 ሚሊዮን ብር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘስርሖ ሃገራዊ ማእኸል መሰልጠኒ ጥዕና ማሕበረሰብ ሎሚ ብወግዒ ተመሪቑ ንትካል ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ተረኪቡ።

እቲ ማእከል ብደረጃ ሃገር ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ንምፍራይ ዝግበር ፃዕሪ ንምዕባይን ንምሕጋዝን ኣገልግሎቱ ዝያዳ ውፂኢታዊ ክኸውን ከምዝገብር ትፅቢት ይግበር።

ኣብ ስነ ስርዓት ምረቃ’ቲ አብ አዲስ አበባ ዝተሰርሐ ሓድሽ ማእከል መሰልጠኒ ሰብ ሞያ ጥዕና ማሕበረሰብ ዝተዘርገሓ መግለጺ ኤምባሲ ኣሜሪካ ከምዝሕብሮ’ቲ ማእኸል ምኽልኻል ቁጽጽርን ሕማማት ኣሜሪካ ካብ ፕረዝደንታዊ ፕሮግራም ምኽልኻል ኤድስ ፔፕፋር(PEPFAR) ብዝረኸቦ ሓገዝ ገንዘብ’ዩ።

ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰርሓ ሃገራዊ ማእኸል መሰልጠኒ ጥዕና ማሕበረሰብ
ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰርሓ ሃገራዊ ማእኸል መሰልጠኒ ጥዕና ማሕበረሰብ

እቲ ልዕሊ 150 ሚሊዮን ብር ወጻኢ ከምዝተገብረሉ ዝተገልጸ ማእከል መሰልጠኒ ሰብ ሞያ ምርምርን ላባራቶሪን ኾይኑ ከምዘገልግል ተገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG