ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መባእታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ሎሚ ሰሉስ ቀጺሉ


ንቀፃላይ ውድድር ምርጫ ክልቲኦም ፓርቲታት ኣሜሪካ ዝውስን መባእታዊ ምርጫ ሎሚ ኣብ ብበረድ ዝተሸፈነት ኒውሃምፕሸር ይቅፅል ኣሎ።

ዝሑልን ውቅብቲን መዓልቲ’ያ ዝበለ ኪይዝ ሌነን፣ እንተኾነ ናብ ጣቢያ ምርጫ ከይደ ንዶናልድ ትራምፕ መሪፀ’ለኹ በለ።

ካልእ ወሃቢት ሪኢቶ ድማ ነዊሕ ሪጋ ነይሩ። ግን ከይተሓለልና ተፀቢና ኣብ መወዳእትኡ ንሂለርይ ክልንትን መሪፀ’ለኹ በለት።

ናብ ሎሚ ኣብ ዘውገሐ ለይቲ ዝወረደ በረስ ክሳብ 20 ሴንትመትር ዝግመት ተኾሚሩ’ሎ ኣብ’ታ ሰሜን-ምብራቃዊት ክፍለ-ግዝኣት።

እንተኾነ ንመረፅቲ ኒውሃምፕሸር ዕንቅፋት ኣይኮኖምን።

ኣብ ሰለስተ ከተማታት’ታ ክፍለ-ግዝኣት፣ ፍርቂ ሪፐብሊካዊያን፣ ስሳ ሚእታዊ ዲሞክራሲያዊያን መረፅቲ፣ ክሳብ ዕለት ምርጫ ንመን ከምዝመርፁ ከይወሰኑ’ዮም ጸኒሖም።

XS
SM
MD
LG