ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተላዕለ ሓድሽ ኲናት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ምቕታሉ ኣሶሴይትድ ፕረስ ይሕብር


ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዝተኻየደ ከቢድ ውግእ ናይ ዓይኒ መሰካኽር 'ደርዘናት' ክብሉ ዝገለጽዎም ሰባት ምሟቶም ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ዝዓበየ ክልል እታ ሃገር ሓይሉ ዝቐፀለ ውግእ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ይካየድ ዘሎ ዝዓበየ ኲናት ከብቅዕ ፃዕርታት ሰላም ኣብ ዝቐፀለሉ ዘሎ እዋን እዩ።

ካብ ከተማ ቢላ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ቃሎም ዝሃቡ መሰኻኽር 2 ሕዳር 2022 ተፈፂሙ ዝበሉዎ ደብዳብ ነፋሪት ሬሳታት ፈቖዶ ወዲቖም ምርኣዮም ሓቢሮም።ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንድሕነት ህዝቢ ኦሮሞ ጠጠው ምባሉ ክገልፅ ከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ኣሸባሪ ውድብ እዩ ብምባል መዲቡዎ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG