ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለም “ኣብ በዳሂ ዝኾነ ጊዜ” እያ ዘላ ይብሉ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት


 ሓድሽ ዝተመዘዙ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ
ሓድሽ ዝተመዘዙ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ

ሓድሽ ዝተመዘዙ ጠቅላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ዓለም “ኣብ በዳሂ ዝኾነ ጊዜ” እያ ዘላ እዚ ድማ ብዓለምለኸ ምትሕብባር ጥራይ’ዩ ዝፍታሕ ኢሎም።

“ ንክብርታት ብዙሕነት ነተኣታትወሉ ጊዜ ሕጂ እዩ። ንዓለምለኸ ጸገማት ዓለምለኸ መፍትሒ ዘድልየሉ እዋን ሕጂ ምኻኑ ኣፍልጦ ንህበሉ ጊዜ እዪ። ብዙሕነት መሰረት ንዝገበረ ኣቐራርባ ድማ ኹርናዕ እምኒ ሕቡራት ሃገራት እዩ።”

ጉተረስ ነዚ ውልቃዊ ኣረኣእዮም ዝገለጹ ትማሊ ሶሉስ ኣብ ኒውዮርክ ዝርኸብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ምስ ኣባላት እቲ ትካል ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን እዩ።

ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ነበር ጉተረዝ፣ ንጉድለታት እቲ ትካል ኣፍልጦ ብምሃብ ለውጢ ኣብቲ ናይ 72 ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ትካል ንምትእትታው ሓባራዊ ተሳትፎ ከምዘድልይ ተማህጺኖም።

“ኣብ ግደ ሕቡራት ሃገራት ብዙሕ ምጥርጣት ኣሎ። ስለዚ ከም ሕቡራት ሃገራት ንፍጽሞ ነገራት ንኾርዓሉ ኽከውን ኣገዳሲ ይመስለኒ። ንፍረ ዕዮና ድማ ኣፍልጦ ክንህብ ኣለና። ብተመሳሳሊ ከምቲ ኣባላት ሃገራት ዝሓትኦ ዘለዋ ለውጢ ኣብ ምምዕባል መስርሕ ሕቡራት ሃገራት ከነኣታትው ኣለና።”

ብዙሓት ተዓዘብቲ ምሩጽ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ብዙሓት ኣጋጣሚታት ንከም ሕቡራት ሃገራትን ኔቶን ዝኣመሰሉ ንዓለምለኸ ትካላት ብምንቃፎም ኣሜሪካ ነተን ትካላት ዝወሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ ከቋርጽዎ ይክእሉ’ዮም ዝብል ስግኣት ከምዘለዎም ይገልጹ።

ምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ነዘን ዓለምለኸ ትካላት “ሰባት ተአኪቦም ዝራኸብሉን ዝዘራረብሉን ጽቡቕ ጊዜ ዘሕልፍሉ ክለብ’ዩ” ክብሉ ምግላጾም ይዝኸር።

ኣሜሪካ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ኣበርካቲት ሕቡራት ሃገራትን ናይቲ ትካል ስርሒት ዓቓቢ ሰላም ምዃና ምምሕዳር ዋሽንግተን’ውን ልዑል ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንሰብኣዊ ጉዳያት እቲ ትካል ከምዝሕግዝ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዓለም “ኣብ በዳሂ ዝኾነ ጊዜ” እያ ዘላ ይብሉ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:58 0:00

XS
SM
MD
LG