ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ግዝኣት ፈረንሳ ዝኾነት ኒውካለዶኒያ ዝተላዕለ ተቓውሞ ቀጺሉ'ሎ


ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ እትርከብ ደሴት ምምሕዳር ፈረንሳ ዝኾነት ኒው ካለዶኒያ ዝተላዕለ ዓመፅ ሎሚ ሓሙስ እውን ቀፂሉ ውዒሉ። ኣብ ጎደናታት ትኪ፡ ዝተቓፀላ መካይንን ካልእ ዝተደርበየ ነገራት ይርኣይ። ብሰንኪ ኣሰሓሓቢ ለውጢ ምርጫ ዝተላዕለን ሳልሳይ መዓልቲ ዘቑፀረን ቁጥዐ ዛጊት ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም ኣለው።

እቶም ዓመፅ ዘለዓዓሉ ንናይ ንግዲ ትካላትን መካይንን ብምቕፃል ንትካላት ንግዲ ዘሪፎምን መገድታት ዓፅዮምን። እቶም ተቓወምቲ ኣብታ ብፈረንሳ እትግዛእ ደሴት ፓሲፊክ መድሃኒትን መግብን ንምርካብ "ሕማቕ ኵነታት" ከም ዘሰዓቡ ሰበ-ስልጣን ይገልፁ።

ፈረንሳ ኣብ ኒው ካለዶኒያ ኣዊጃ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ'ላ። ብተወሳኺ 10 ሰባት ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ክኾኑ ኣዚዛ፡ ንቲክቶክ እውን ኣጊዳ ኣላ።

መንቀሊ እቲ ናዕቢ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቤት ምኽሪ ፈረንሳ ዝጸደቕ ሓድሽ ሕጊ ኮይኑ ኣብ ኒው ካለዶኒያ ንዓሰርተ ዓመታት ዝተቐመጡ ፈረንሳዊያን ነበርቲ ኣብ ከባቢያዊ ምርጫ ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም ዝብል እዩ።

ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ኣብ ቦታ ዘለው 1,700 ተወሳኺ ኣስታት 1,000 ሰራሕተኛታት ፀጥታ ከም እትልእኽ ቀዳማይ ሚንስተር ጋብሪኤል ኣታል ሎሚ ሓሙስ ገሊፁ።

ኣታል ምስ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ድሕሪ ምርኻቡ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "እቲ ኩነታት...ክትዛረቦ ዘይትኽእለሉ ምዝራፍ፣ ናዕቢ፣ ምቅፃል ንብረትን መጥቓዕታትን ብምስፋኑ ኣዚዩ ወጥሪ ንሂሩ ኣሎ’’ ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG