ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ቃለ-መሓላ ፈጺሞም


ቡርኪናፋሶ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ንፈለማ ጊዜ ሓድሽ ፕረዚደንት መረጻ። ፕረዚደንት ሮች ማርክ ከቦረ ድማ ሎሚ ሰሉስ ቃለ-መሓላ ፈጺሞም።

ፕረዝደንት ከቦረ፣ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት መሓላ 'ንሕገ-መንግስቲ’ታ ሃገር ንክዕቅቡ፣ ከኽብሩን ክትግብሩን ከምኡውን ንሉዓላውነት ቡርኪናፋሶ ከረጋግጹን' ቃል ኣትዮም።

እቶም ፕረዝደንት ነዚ ቃለ-መሓላ’ዚ ዝፈጸሙ፣ ነታ ሃገር ን27 ዓመታት ዝመርሑ ፕረዚደንት ብለይስ ካምፓወረ ብዕልዋ ካብ ዝወርዱ ድሕሪ 14 ኣዋርሕ'ዩ።

ጊዚያዊ መንግስቲ'ታ ሃገር ፕረዚደንታዊ ውድድር ድሕሪ ምቅራቡ፣ ሚስተር ከቦረ ብ53 ሚእታዊ ተዓዊቶም’ለው።

እቲ ፕረዚደንታዊ ውድድር ንዝሓለፈ ወርሒ’ዩ ተመዲቡ ነይሩ፣ ግን ፍሹል ፈተን ዕልዋ መንግስቲ ብሓለውቲ ቤተ-መንግስቲ ኣተዓናቂፍዎ።

58 ዓመት ዝዕድሚኦም ፕረዝደንት ከቦረ፣ ንርብዒ ክፍለ-ዘመን መሻርኽቲ ፕረዚደንት ካምፓወሬ’ዮም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ዓመታት ስልጣን ካምፓወረ ግና ተፈላልዮም።

XS
SM
MD
LG