ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንጋዜጠኛ፣ ተጋዳሊትን ፖለቲከኛን ነጻነት ኣስፋው ዝዘከረ መደብ


ጋዜጠኛ ነጻነት ኣስፋው ኣብ ዶቼ ቬለ ጀርመን ከላ ዝተሳኣለቶ
ጋዜጠኛ ነጻነት ኣስፋው ኣብ ዶቼ ቬለ ጀርመን ከላ ዝተሳኣለቶ

ኣብ ኣውሮጳ ኣባል ማሕበር ተጋሩ ኣብ ስሳታት ዝነበረት ጋዜጠኛ ዶቼ ቬለ ነጻነት ኣስፋው፣ ካብ’ቶም ሾኡ ኣብ ኣውሮጳ ይንቀሳቀሳ ዝነበራ ፖለቲካዊያን ውድባት ኢትዮጵያ ‘ብመሰረት ንሕቶ ህዝቢ ኤርትራን ንዴሞክራሲያዊን ፍትሓዊን ሕቶታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ቅኑዕ መልሲ ዝሃበ ውድብ ኢላ ንናይ ሽዑ ተሓህት ናይ ሎሚ ህወሓት መሪጻ ኣባል ከምዝኾነት’ ዶ/ር ገብረኣብ ባርናባስ ይዛረቡ።

ንወ/ሮ ነጻነት ኣስፋው ‘ንእሽተይ ሓፍተይ’ ኢሎም ዝጽውዕዋ ዶ/ር ተወልደብርሃን ገ/ሄር ብወገኖም ‘ካብ ገጸር ናብ ዓድዋ እንዳ ነጻነት (እንዳሓትኖኦም) ኣትዮም ኣብ ሓንቲ ገዛ ከምዝዓበዩን’ ይጠቕሱ።

‘ኣብ 1972 ኣብ ካርቱም ኢና ምስ ነጻነት ተራኺብናን ተላሊናን’ ትብል ናይ ቃልሲ መሓዛኣ መብራት በየነ ብወገና ‘ተፈለሊና ናብ በረኻ ምስ ወረድና ኣብ ሓደ ስፍራ ንድቅስ ነይርና፣ ኣብ ሓደ ክፍሊ’ውን ተመዲብና ንሰርሕ ኔርና’ ብምባል ንተዘክሮኣ ትገልጽ።

ኣብ መበል 75 ዓመታ ዝዓረፈት ጋዜጠኛ፣ ተጋዳሊት ህወሓትን ኣባል ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያን ዝነበረት ወ/ሮ ነጻነት ኣስፋው ስነ ስርዓት ቀብራ ትማሊ ሰሉስ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት መቐለ ከምዝተፈጸመ ዝዝከር'ዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:21:22 0:00


XS
SM
MD
LG