ዋሽንግተን —
ፖሊስ ኔዘርላንድስ ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እታ ሃገር ምስ ዝተላዕለ ናዕቢ ተኣሳሲሩ ንልዕሊ 200 ሰባት ምእሳሩ ብምሕባር ዓሰርተታት መኮነናት ፖሊስ እውን ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ሓቢሩ'ሎ።
ፖሊስ ከተማ ሮተርዳም ልዕሊ 100 መካይን ብሓዊ ተባሪዐን ኢሉ ኣሎ። ኣብ ኣምስተርዳም፣ ዘ ሄግን ካልኦት ከተማታትን እውን ነቶም እኩባት ናዕበኛታት ንምብታን ኣሃዱታት ተኸላኸልቲ ዓመፅ ተዋፊሮም ኔሮም።
ኣብ ከተማ ሃርለም ሓደ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ምስ ርችት ብዝተሳሰረ ብዝወረዶ መቑሰልቲ ህይወቱ ከምዝሓለፈ እውን ፖሊስ ገሊፁ ኣሎ።
ቅጥዒ