ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ሓማስ ከይተደምሰሰ ኲናት ደው ኣይክብልን’ዩ” ናታንያሁ


ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ

ተኽእሎታት ምቍራጽ ተጻብኦ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ “ሓማስ ፈጺሙ ከይተደምሰሰን እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ዜጋታት ኵላቶም ከይተለቁን ኲናት ደው ኣይብልን’ዩ፡” ክብል ገሊጹ። ናታንያሁ ኣብቲ ትማሊ ብቴለቪዥን እታ ሃገር ዝተፈወነ መደረኡ፡ ጉጅለ ሓማስ ክቕተሉ ወይ ድማ ኢዶም ክህቡ ጥራይ ኣማራጺ ከም ዘለዎም ኣስሚሩ።

መግለጺ ናታያሁ ዝስማዕ ዘሎ፡ ሓያሎ ደገፍቲ እስራኤልን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንሰብኣዊ ሓገዛት ክብል እቲ ኲናት ደው ክብል ይጽውዕሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን’ዩ። ድሕሪ ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ እስራኤል ብዝገበረቶ ተሪር ግብረ-መልሳዊ መጥቃዕቲ፡ ዓሰርታት ኣሽሓት ፍልስጤማዊያን ሞይቶም፡ ዝበዝሑ ድማ ካብ መንበሪታቶም ሃዲሞም ምህላዎም ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG