ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ እስራኤል ንሰብኣዊ ሓገዛትን ምልቃቅ ጭውያትን ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር ከምዝከአል ገሊጾም


ቓዛ
ቓዛ

ቀ/ሚ እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ ንስራሕ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ወሽመጥ ቓዛ: ሓማስ ዝሓዞም ጭዉያት መታን ናጻ ክልቀቁ ናይ ሓጺር ጊዜ ምቁራጽ ተጻብኦ ንክትግበር ክሰማምዑ ከምዝኽእሉ ብምግላጽ ካብኡ ዝሰገረ ግና ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ዝጸንሕ ምቁራጽ ተጻብኦ ከምዘይህሉ ኣፍሊጦም።

ንሶም ምስ ትካል ዜና ኤ.ቢ.ሲ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-ምልልስ "እስራኤል፣ ንሓማስ ድሕሪ ምቅባጻ፣ ንግዝኣት ቓዛ ንዘይተወሰነ ጊዜ ንጸጥታዊ ኩነታቱ ክትቆጻጸሮ እያ" ኢሎም።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ መግለጺ ዝሃበ ናይ ኣመሪካ ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት (ዋይት ሃውስ)፣ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ቀ/ሚ ቤንያሚን ኔታንያሁን፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ቓዛ ንክኣትው፣ ሰላማዊያን ሰባት ካብ’ቲ ከባቢ ዝርሕቅሉ ኣገባብን፣ ዝተጨወዩ ሰባት ናጻ ዝወጽሉ ኩነታትን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ጉዳያት ከምዝተዘራረቡ ጠቂሱ።።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG