ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ነታንያሁ ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ብመሰረት ስምምዕ ክልቀቑ የጠንቅቑ


ቀ/ሚ እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ - ፋይል
ቀ/ሚ እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ - ፋይል

ሓማስ ብመሰረት ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦ ንኣስከሬን ሸሪ ባባስ ከረክብ እተዘይክኢሉ ከቢድ ዋጋ ከኽፍሎ እዩ ክብሉ ቀ/ሚ እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣጠንቂቖም።

ንሶም ኣብ መግለጺኦም "ንሸሪ፡ ካልኦት ህልዋትን ምዉታትን ክንመልሶም ብትብዓት ክንስርሕ ኢና። ሓማስ’ውን ነቲ ጨካንን እከይን ግብሩ ከቢድ ዋጋ ከምዘኽፍሎ ክነረጋጽ ኢና" ኢሎም።

ሓማስ ሎሚ ዓርቢ ብመሰረት ዝሃቦ መግለጺ ኣስከሬን ሸሪ ባባስ፣ ብሰንኪ ደብዳብ እስራኤል ዝሳዓበ ሞት ሰባት ምስ ካልኦት ኣስከሬናት ተሓዋዊሱ እዩ ጸኒሑ ከምዝበለ ትካል ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሰለስተ ተጨውዮም ዝነበሩ እስራኤላዊያንን ሓንቲ መንነታ ዘይተፈልጠ ራብዓይቲ ጓለንስተይቲን ትማሊ ሓሙስ ናብ መንግስቲ እስራኤል ከምዝተረከቡ ዝዝከር እዩ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG