ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ብልጽግና ጨንፈር ነቀምቴ ብዕጡቓት ተቐቲሎም


ከተማ ነቀምቴ ፋይል -
ከተማ ነቀምቴ ፋይል -

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ብልጽግና ጨንፈር ነቀምቴ ወለጋ ኣቶ ደሳለኝ ቦካንጃ ብዘይተፈለጡ ሰባት ከምዝተቐንጸለ ተገሊጹ።

ኣቶ ደሳለኝ ቦካንጃ፣ ካብ ቤቶም ናብ ስርሖም ንጉሆ ኣብ ዝተበገስሉ ሰዓት፣ ብዘይተፈለጠ ሰብ ተወቂዖም ምሟቶም ተገሊጹ። ኣብ’ታ ከተማ ብሰንኪ ዝነበረ ጸገም ጸጥታ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝተቐተሉ’ውን ዝዝከር እዩ።

ብዛዕባ ቅንጸላ እቶም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ኣመልኪቱ ካብ ፖሊስ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገበረ ፈተነ ኣይሰለጠን ዘሎ።

ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝፈነዎ መግለጺ "ኣቶ ተመስገን፣ ንዝተዋሃቦም ሓላፍነት ንምፍጻም ኢሎም ናብ ቤት ጽሕፈቶም ኣብ ዘቕንዕሉ እዋን፣ ብዕጡቕ ሓይሊ ብዘስቅቕ ኩነታት ህይወቶም ሓሊፉ ኣሎ" ኢሉ።

ኣብ ነቀምቴን ካልኦት ዞባታት ምዕራብ ኦሮምያን፣ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ፬ ዓመታት፣ ብርክት ዝበሉ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ከምዝተቀተሉ ዥከር እዩ።

መንግስቲ፣ ፈጻሚ’ቲ ቅትለት፣ ሸኔ ዝባሃል ወይካኣ ቤት ምኽሪ ወከልቲ’ታ ሃገር፣ ጉጅለ ግብረ ሽብር ኢሉ ዝሰመዮ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ እዩ ክብል ከሎ፣ እቲ ጉጅለ ግና ‘ኣይዋዓልኩዎን’ ከምዝብል ወኪልና ናኮር መልካ ዝላኣኾ ሪፖርት ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG