ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት ብዝብል ስም ካልእ ውድብ ንምምዝጋብ ዝፈተኑ ወገናት ይግባይ ክንብል ኢና ይብሉ

ህወሓት ብዝብል ስም ካልእ ውድብ ንምምዝጋብ ዝፈተኑ ወገናት ይግባይ ክንብል ኢና ይብሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:50 0:00

ህወሓት ብዝብል ስም ካልእ ውድብ ንምምዝጋብ ዝፈተኑ ወገናት ይግባይ ክንብል ኢና ይብሉ

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብዝብል ስም ሓድሽ ክልላዊ ውድብ ንምጥያስ ዝቐረበ ሕቶ ዝተነፀጉ ሰባት ናብ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክንብል ኢና ይብሉ።

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብስም ህወሓት ሓድሽ ፓርቲ ንምጥያስ ፍቓድ ቅድመ ኣፍልጦ ንዝሓተቱ ከምዝነፀጎም ኣፍሊጡ እዩ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ ህወሓት ሕጋዊ ሰውነት ንክምለሰሉ ዘቕረቦ ሕቶ'ውን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ምንፃጉ ስዒቡ እቲ ውድብ እቲ ውሳነ ንስምምዕ ሰላም ዝጥሕስ 'ዩ ብምባል ተቓውሞኡ ገሊፁ ነይሩ።

ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ርክብ ሎሚ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ውን ንውሳነ ቦርድ ምርጫ እትሪሩ ከም ዝቃወም ብምግላፅ፡ ክሳብ መወዳእታ ከም ዝቃለሶ ኣፍሊጡ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG