ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ብዝሒ ሱዳናውያን ተፈናቐልቲ 8 ሚልዮን በጺሑ” ኮሚሽን ስደተኛታት ሕ/ሃ


ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ

ብሰንኪ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሱዳን ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣስታት 8 ሚልዮን ህዝቢ'ታ ሃገር ካብ መንበሪኡ ምፍንቓሉ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝገብር ዘሎ ኮሚሽነር ፍሊፖ ግራንዲ፡ ቅልጡፍ ሓገዝን ህጹጽ ረዲኤትን ክግበር ጸዊዑ።

“ዘስካሕክሕ ዛንታታት ስድራቤታትን ኣባላት ስድራን ሰሚዐ፡” ዝበለ እቲ ኮሚሽነር ካብ መንጎ’ተን ሱዳናውያን ዝተሰደዱለን ሽዱሽተ ጎረባብቲ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣስታት 100-ሽሕ ስደተኛታት ከም ዘለዉ ጠቒሱ።

ቁጽሪ ናብ ጎረቤት ሃገር ጫድ ዝሰገሩ ሱዳናውያን ዝሓለፈ ሰሙን ፍርቂ ሚልዮን በጺሑ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይገልጽ። ብገምጋም ኣብ ሓደ መዓልቲ 1,500 ዜጋታት ናብ ጎረቤት ሃገር ደቡብ ሱዳን ይስደዱ ምህላዎም’ውን ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር።

ነቲ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት እኹል ሓገዝ ለገስቲ ምስ ዘይርከቦ፡ ተደራራቢ ጸገም ክወልድ ምዃኑ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕ/ሃ ፍሊፖ ግራንደ የጠንቅቕ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ብገምጋም ኣስታት 13-ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም ምህላዎም ይሕበር።

ክልቲኦም ተዋጋኣቲ ወገናት ገበናት ኲናት ፈጺሞም ብዝብል ይኽሰሱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG