ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሑቲ መርከብ ህንዲ የጥቅዕ፡ ሰለስተ ኣባላት ይቐትል


ፋይል
ፋይል

ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ፡ ኣብ ውሽመጥ ዓደን ብዕጡቓት ሑቲ ትማሊ መጥቃዕቲ ካብዘጋጠማ መርከብ ንገለ ካብቶም ኣባላት ምውጻኡ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ። እንተዀነ ሰለስተ ኣባላት ካብቶም መጥቃዕቲ ዝወረዳ ኣባላት እታ መርከብ ሞይቶም’ዮም። ብዘይካኦም ኣርባዕተ ኣባላት እታ መርከብ’ውን ቆሲሎም ኣለዉ።

ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኣብ ዝዘርግሑዎ ምስልታት ካብቲ መጥቃዕቲ ንዝደሓኑ ኣባላቱ ኣብ ሄሊኮፕተርን ካልኦት ጀላቡን ክስቕሉ ይርኣዩ።

ዝሕደስ ዘሎ መጥቃዕታት ሑቲ ኣብ ወሽመጥ ዓደንን ማያት ቀይሕ ባሕሪን ነቲ ዞባን ማያዊ ምንቅስቓስን ኣብ ዝደገሰ ሻቕሎት ሸሚሙ ኣሎ። ሑቱ ንመርከብ ቤርባዶስን ላይበሪያን ምህራሞም ተፈሊጡ ኣሎ። ማእከል ምክልኻል ኣመሪካ ነቲ ካብ ሑቲ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ሚሳይል ንምፍሻል ፈቲኑ’ዩ። እንተዀነ ነታ ንብረት ላይበሪያ ዝዀነት መርከብ ግን ምሉእ ብምሉእ ክከላኸለላ ስለ ዘይከኣለ፡ መጠናዊ ጉድኣት ከም ዘጋጠማ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG