ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሰላምን ፀጥታን ሃገራትን ዓለምን ናይ ምርግጋፅ ሓላፍነት ኣለዎ ኢለን ኔቪይ ፒለይ


ወ/ሮ ኔቭይ ፒለይ
ወ/ሮ ኔቭይ ፒለይ

ዕድመ ሓላፍነተን የብቅዕ ዘሎ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ናቪ ፒለይ፣ ንገለ ኣብ ዓለም ዝተኸሰቱ ቅልውላዋት ግቡእ መልሰ-ግብሪን ስጉምቲን ስለዘይወሰደ ኢለን ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ወቂሰን።ናቪ ፒለይ፣ እቲ ቤት ምኽሪ ግቡእ ቆላሕታ እንተዝገብረሉ ነይሩ፣ህይወት ኣማኢት ኣሻሓት ሰባት ምደሓነ ነይሩ ኢለን።

ብግልፅነተን ዝፍለጣ እተን ወ/ሮ ፒለይ”ኩሎም ቅልውላዋት ብዘይምልክት ኣይተወልዑን።ንዓመታት እናረሰኑን፣ ገሊኦም ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት፣ቅሬታ ናይ ህዝቢ፣ብልሹዋት መንግስታትን ትካላት ፍትሒን፣ምግላልን ተነፅሎን፣ ዘይማዕርነታዊ ምዕባለ፣ወፅዓ፣ቁጠባዊን ማሕበራዊን መሰላት ምጉዳል፣ወፅዓ ሲቪል ማሕበረ-ሰብን ህዝባዊ ናፅነትን ገሊኦም‘ዮም” ይብላ።

ንኣብነት ቅልውላው ሶርያ ካብ ዝላዓል ጀሚሩ ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ይብላ ንሰን፣እቲ ግጭት ዞባዊ ቅልውላው ክኸውን ከምዝኽእል ኣጠንቂቀንን ደው መበሊ ከምዘይህልዎን ይገልፃ ከምዝነበራ ጠቂሰን።

መንግስታት ንዜጋታቶም ክከላኸልሎም ቅሩባት ተዘይኮይኖምን ዓቅሚ እንተጎዲልዎምን፣እቲ ሓላፍነት ኣብ እንግደዐ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብሕልፊ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ‘ዩ ዝወድቅ።

ኣብ‘ቲ ሎሚ ዝተሳለጠ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ሪፖርት ዘቅረቡ ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ባን ኪሙን ብወገኖም፣ናቪ ፒለይ በላሕ መራሒት ሕ/ሃ ኮይነን ኣገልጊለን‘የን ኢሎም ንኢዶም።እቲ ዝስመዐን ከይሓባኣ ዝዛረባ‘ውን በሉ።መግለልቲን ተነፅሎን ዘጓነፎም ሰባት፣ሓቀኛ ጠበቃኦም ከምዝኾነት ይፈልጡ ወ/ሮ ፒለይ ተሓላቂት ሰብኣዊ መሰላት ኮይነን ክቅፅላ‘ውን‘የን ኢሎም።

ንሙሉእ ሪፖርት ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:41 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG