ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ንምስፋሕ ኣባላት ኔቶ ብዝምልከት ሩስያ ናይ ምውሳን መሰል የብላን” ዋ/ጸሓፊ ኔቶ


ዋና ፀሓፊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ(ኔቶ) ጄንስ ስቶልተን በርግ ሎሚ ሓሙስ 1 ሰነ 2023 ኣብ ኖርወይ ኦስሎ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ “ንምስፋሕ ኣባላት ኔቶ ብዝምልከት ሩስያ ናይ ምውሳን መሰል የብላን” ኢሎም።

ዋና ፀሓፊ ኔቶ ጄንስ ስቶልተንበርግ ኣብ መግለፂኦም ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዩክሬን ግዝኣታታ ንምምላስን ነፃ ንምውፃእን ኣብ ዝገበረቶ ቃልሲ ኔቶን ኣባላቱን ዘይተሓለለ ሓገዝ ከምዝገበሩላ ብምግላፅ ዩክሬን ኣባል ኔቶ ንምዃን ዘለዋ ድልየት ኣባላት እቲ ጥምረት ከምዝዘተየሉን ከምኡ እውን ሓደስቲ ኣባላት ንምቅባል ማዕጾ ኔቶ ክፉት ክኸውን ምውሳነንን ሓቢሮም።ንሶም ወሲኾም ኣባላት ኔቶ ዩክሬን ኣባል ክትከውን ምስምመዖም ገሊፆም። መዓዝ ይኸውን ዝብል ድማ ብድልየት ዩክሬንን ኣባል ሃገራት ኔቶን ዝውሰን እዩ ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG