ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ሃገራት ኔቶ ኣብ ልቲወንያ ይቓናዕ'ሎ


መራሕቲ ሃገራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ዩክሬን ኣንጻር ሩስያ ኣብ ትገብሮ ዘላ ኲናት ዝህብዎ ደገፍን እታ ሃገር ኣብቲ ኪዳን ዝህልዋ መጻኢን ንምምይያጥ ኣብ ርእሰ ኸተማ ልቲወንያ ምስ ፕረዚደንት ቮለድመየር ዘሎንስኪ ሎሚ ረቡዕ ዕጽው ኣኼባ ንምግባር ክራኸቡ'ዮም።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ'ቲ ኣኼባ ሎሚ ረቡዕ ምስቶም መራሕቲ ኣብ ዝራኸብሉ ብቀዳምት ዝዘራረብሉ ዛዕባታት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "እቲ ፈላማይ ብዛዕባ ነቲ ኣብ ዓውደ ውግእ ዘሎ ሰራዊትና ዝወሃብ ሓድሽ ጥቅላል ኣጽዋራት'ዩ፤ ካልኣይ ኸኣ ናብ ኔቶ ንምጽንባር ዝቀርብ ዕድመ ይመስለኒ። ኣብ ሓደ ዓይነት ምርድዳእ ክንህሉ ንደሊ። መዓቀኒታት ጸጥታ ብዝፈቅዶ ሎሚ እቲ ዕድመ ክንሰምዕ ኢና ዝብል ኣረዳድኣ'ዩ ዘለና'' ኢሎም።

ፕረ. ዘለንስኪ ምስ ፕረዚደን ኣመሪካ ጆ ባይደን'ዉን ንበይኖም ክዘራረቡ መደብ'ሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ ኣባል ሃገራት ጉጅለ-7 ንዩክሬን ናይ ነዊሕ እዋን ደገፍ ጸጥታ ዝህባሉ ሓድሽ ቀጥዒ ክገልጻ ውጥን ከም ዘሎ ብሪጣንያ ኣፍሊጣ'ላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG