ዋሽንግተን —
ዋና ጸሓፊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ማርክ ሩት፡ እቲ ኪዳንን ደገፍቲ ሃገራትን ኣንፈት ኲናት ክሳብ ዝልወጥ ደገፈን ንዩክሬን ከርእያ ጸዊዑ።
እቲ ዋና-ጸሓፊ ንሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣባል ሃገራት እቲ ኪዳን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ንዩክሬን ንምሕጋዝ እቲ ኪዳን ሓድሽ ናይ መወሃሃዲ እዚ ኣቚሙ ክሳብ እዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ስሩዕ ስራሑ ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ዋና ጸሓፊ ንዩክሬን ዝቐርብ ዘሎ ወታሃደራዊ ሓገዝ ኣዝዩ ንኡስ’ዩ ብምባል፡ ኣባላት ሃገራት ኣበክትኦን ከዕብያ ጸዊዑ።
ን33 ሃገራት ዝሓቘፈ ኪዳን ኔቶ፡ ቅድሚ ሎሚ፡ ዶናልድ ትራምፕ ዓመታዊ ኣበርክቶ ሃገራት ናብ 2% ዓመታዊ እቶት ድፍኢት ዝገብረ ኰይኑ፡ ምስ ምምጻእ ሓድሽ ምምሕዳር ትራምፕን ኣብ ኲናት ዩክሬን ክህሉዎ ብዛዕባ ዝኽእል መርገጺን ሻቕሎት እቲ ኪዳን ዓብዩ ኣሎ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብዚ ዋዕላ ኔቶ ይሳተፍ ኣሎ።
ቅጥዒ