ኣብ ብራስለስ ንተጋባእቲ ዋዕላ ኪዳን ሰሜት ኣትላንቲክ (ኔቶ) ሓዊሱ ንኣስታት 50 ሃገራት መሓዙት ዩክሬን መደረ ዘስምዐ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት፡ ቀዳምነታት ሃገራቱ ኣነጺሩ ኣሎ። ንመደረ እቲ ሚኒስተር ስዒቡ ድማ እቲ ኪዳን ደጊሙ ምስ ነብሱ ክሓሰብ ማዕጾ ከፊቱ ኣሎ።
ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ኣብ መደረኡ፡ ሃገሩ ሓያሎ ንጸጥታኣ ዘሻቕሉ ጉዳያት ስለ ዘለዋ ቀዳምነት ሂባ እትሰርሓሉ ዘቤታዊ ጸጥታ ምዃኑ ተዛሪቡ። ንሱ ኣስዒቡ ውሕስነት ጸጥታ ኤውሮጳ ቀንዲ ሻቕሎት ኣመሪካ ከም ዘይኰነ ብንጹር ኣቐሚጡ። እዚ ንደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዓቢ ሻቕሎትን’ዩ።
ኣብ መንጎኡ ድማ ናይ ስልኪ ዝርርብ ፕረዚደንት ትራምፕን ፕረዚደንት ፑቲንን ስዒቡ። ሓያሎ ኣባላት እቲ ኪዳን፡ ዩክሬንን ሃገራት ኤውሮጳን፡ ኣመሪካ ምስ ሩስያ ኣብ እትግበሮ ርክብ ድሕሪት ከይተርፋ ኣተሓሳሲበን። ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት ግን ኣመሪካ ንመሻርኽታ ከም ዘይትርሕርሕ ደጊሙ ገሊጹ።
ዩክሬን ናብቲ ኪዳን ዘቕረበቶ ሕቶ ኣባልነት ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ውዱቕ ገይሩዎ’ዩ። ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣባላት ኪዳን ኔቶ ነብሰን ንምክልኻል ድሉዋት ክዀና ከዘኻኽር ጸኒሑ’ዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ መራሒ ሩስያ ብስልኪ ድሕሪ ምዝርራቡን ንምዕራፍ እቲ ኲናት ኣመልኪቱ ሓደ ስጕምቲ ድሕሪ ምውሳዱን፡ ደምበ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብቲ ከይዲ ቀዳምነት ክስራዕ ይምሕጸን። ስክፍታ እቲ ሕብረት፡ እቲ ዝርርብ ሰላም ዝያዳ ብሩስያ ዝቕለስ ከይከውን ዝብል’ዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ድሕሪ ናይ ረቡዕ ናይ ስልኪ ዝርርብ፡ ኣብ ቀረባ እዋን’ውን ምስ ፑቲን ብኣካል ክራኸብ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ርክብ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣሶሸይትድ ፕረስ የመልክት።
ኣብቲ ናይ ብራስለስ ርክብ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሄግሰት፡ ወራር ዩክሬን ንኣባል ሃገራት ኪዳነ ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ኣብ ምክልኻል ዘውዕለኦ ባጀት ንኸዕብያ ሓደ መዘኻኸሪ ደወል ምዃኑ ይኣምን። እቲ 32 ሃገራት ዝሓቖፈ ደምበ ግን ነቲ ኣቐዲሙ ብፕረዚደንት ትራምፕ’ውን ክቐርብ ዝጸንሐ መተሓሳሰቢ የተግብር ምህላዉ ይገልጽ። ካብተን 32 ሃገራት ብውሑዱ እተን 23፡ ካብ ሃገራዊ ባጀተን 2% ናብ ምክልኻል ይምድባ ከም ዘለዋ ይገልጻ።
ኣመሪካ ዝዓበየት ኣበርካቲትን ቀላሲትን እዚ ኪዳን’ያ። እንተዀነ ዝመጽእ ዝዓበየ ኣተኵሮኣ ከምቲ ኣብ ምብጋሱ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝቐነዐ ዘይኰነስ ናብ ኤስያ ገጻ ዝያዳ ተገዳስነት ከም እተሕድር ኣእንፊታ ኣላ።
ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኣብ 1949፡ ኣብ እዋኑ ብ12 ሃገራት ዝተመስረት ሕብረት ኰይኑ፡ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ደምበ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ሕብረት ሶቬት ክመጽአን ንዝኽእል መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝዓለመ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ 75 ዓመታት ግን ብብዝሒ ኣባላትነቱን ናይ ምክልኻል ዓቕሙን ዓብዩ’ዩ።
ድሕሪ ወራር ዩክሬን፡ ገለ ጎረባብቲ ሃገራት ስግኣተን ስለ ዝዓበየ ናይ ምክልኻል ዓቕመን ከዕብያን ናብቲ ኪዳን ክሕወሳን ተራእየን’የን። ዝደሓራ ኣባላት እዚ ኪዳን ሽወደንን ፊላንድን'የን።
ኣብዚ ኪዳን ቀንዲ ቀላሲት ዝዀነት ኣመሪካ እምበኣር’ያ ሎሚ መተሓሳሰቢ ተቕርብ ዘላ።
ኣብ ወራር ዩክሬን፡ ኪዳን ኔቶ ቀጥታዊ ተሳታፍነት የብሉን። እንተዀነ ንዩክሬን ዝተፈላልየ ዓይነታዊ ሓገዛትን ንምክልኻል ዝውዕል ኣጽዋራትን ብመልክዕ ሓገዝ ክህብ ጸኒሑ’ዩ።
ኪዳን ኔቶ ኣስታት 500-ሽሕ ሰራዊት ዝሕዝ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንምክልኻል ዝዓበየ ወጻኢ እትገብር ኣመሪካ’ያ ዝለዓለ ኢድ ኣበርክቶ ጸኒሑዋ። እዚ ድማ ኣብ ምልኣኽ ወታሃደራትን ቀረብ ኣጽዋርን ዝምልከት’ዩ።
ቅጥዒ