ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ቅድድም ዎርልድ ቱር ክላሲክ ካልኣይ ወጺኡ


ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ተቐዳዳማይ ጋንታ ሊድል-ትረክ
ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ተቐዳዳማይ ጋንታ ሊድል-ትረክ

ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ተቐዳዳማይ ጋንታ ሊድል-ትረክ ትማሊ ሰንበት ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝተኻየደ ካድል ኢቫንስ ግሬት ኦሺን ረይስ (Cadel Evans Great Ocean Road Race) ዝተሰየመ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ውድድር ካልኣይ ብምውጻእ፡ ኣብቲ ብዎልርልድ ቱር ክላሲክ ዝስየም ውድድር፡ ክመዝገብ ክኢሉ ኣሎ። እዚ ኣብ ውድድር ብሽክለታ ዓቢ ስም ዝዋሃቦ ውድድር ኮይኑ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ በልጂዩም ውድድር ፍላንደርስ ድሕሪ ዘመዝገቦ ዓወት፡ ብኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝተረኽበ ኻልኣይ ዓወት’ዩ።

ኣብቲ 176.5 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ናይ ኣርባዕተ ዙርያታት ቅድድም፡ ጋንታኡ ጕጅለ ፈልያ ብጽቡቕ ኣብ እትጓዓዘሉ ዝነበረት እዋን’ዩ ምስ መራሒት ጕጅለ ክጓዓዝ ዝጸንሐ ናትናኤል ንመዛዘሚ ሕንጻጽ ኣስታት 200 ሜትሮ ምስ ተረፎ’ዩ መጥቃዕቲ ፈንዩ።

ኣብ መጨረሽታ ኣብቲ ብመፍልዪ ካሜር (ፎቶ-ፊኒሽ) ዝተፈለየ ኣዝዩ ተቓራራቢ ዛዛሚ ውድድር ሕንጻጽ ወዲ ኒውስላንድ ላውራንስ ፒቲ ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ድማ ካልኣይ ኰይኑ ዛዚሙ። ምስ ጋንታ ኢንተርማሸ ዝወዳደር ጆርጅ ዚመርማን ሳልሳይ ኣብ ዝወጽኣሉ ውድድር፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ’ውን ምስታ ካልኣይቲ ጉጅለ ብምዃን መበል 22 ተርታ ውድድሩ ዛዚሙ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG