ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈረንሳ፡ ኣብ መላእ'ታ ሃገር ተቓውሞ ቀጺሉ'ሎ


ገደብ ዕድመ ጡረታ ብምውሳኹ ዝጉሃዩ ሰራሕተኛታት ፈረንሳ ሎሚ ሓሙስ ንመእተውን መውፅእን መዕረፎ ነፈርቲ ሮይሲ ቻርለስ ደ ጎል ብምዕጻዎም ተጎዓዝቲ ብእግሮም ናብቲ ቦታ ክበፅሑ ከምዝተገደዱ ዝበፅሐና ዜና ሓቢሩ።

ብሰንኪ እቲ ተቓውሞ ኣገልግሎታት ባቡር ተሰናኺሉ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓፅዮምን ኣብ ጎደናታት ጉሓፍ ተኣኪቡን ይርከብ። ማሕበራት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንዕድመ ገደብ ጡረታ ክልተ ዓመታት ብምውሳኽ 64 ዓመት ክኸውን ዝሕለፎ ውሳነ ከልዕሎ ድፍኢቶም ኣሐይሎም ኣለው።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ትማሊ ረቡዕ መንግስቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘይ ናይ ፓርላማ ድምፂ ዝወሰኖ ሕጊ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ተፈፃሚ ክኸውን እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG