ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

58 ፖለቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊ መረፃ 2007 ክነሓንሑ እዮም


ፕሮፈሰር መርጋ በቃና
ፕሮፈሰር መርጋ በቃና

ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚዘበን ንሓምሻይ ጊዜ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ 61 ፖለቲካዎ ውድባት ኣብ መረፃ ንምስታፍ ድልየቶም ገሊፃም እኳ እንተነበሩ እቶም ብጭቡጥ ዝተመዝገቡ ግና 58 ምዃኖም ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ብዕሊ ገሊፁ’ሎ።

ካብቶም ተናሓናሕቲ ሰለስተ ዝለዓለ ቁፅሪ ዝሓዙ ብቕደም ሰዓብ ኢህወደግ 501 መድረኽ 270 ከምኡ ድማ ሰማያዊ ፓርቲ 139 ንሃገራዊ ባይቶ ዝነሓንሑ ሕፁያት ተመረፅቲ ኣመዝጊቦም ኣለዉ። ብመሰረት ሕጊ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ክልል መረፃ ዝለዓለ ቁፅሪ 12 ውድባት ጥራሕ እዮም ክህልዉ ዝግባእ፤ ካብዚ እንተዛይዶም ናብ ዕጫ ምውዳቕ ይእቶ።

መንግስታዊ ሃፍቲ ተጠቒምካ ጎስጓስ ምክያድ ሕጋዊ ከምዘይኰነ ይገልፅ ቦርድ መረፃ። ብኻልእ ገፁ ነቲ ተሓናሕቲ ውድባት ገዛኢ ውድብ ሃፍቲ መንግስቲ ይጥቀም’ሎ ንዝብል ጥርዓን ዘይፀረየ ነገር ምህላዉ ድማ ይገልፅ። ንኣብነት መንግስቲ ንዝሃነፆም ትካላት ሕክምናን ፅርግያን ኣብ ዘመርቐሉ እዋን ጠጠው ክነብሎ ይሓቱና እዮም ኰይኑ ግና ነዚ ንምቁፅፃር ኣፀጋሚ እዩ መሰልና እውን ኣይኰነን ይብሉ ኣቦ ወንበር ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መርጋ በቃና።

ሎሚ ዓመት 36.8 ሚልየን ህዝቢ ወከልቱ ንምምራፅ ተመዝጊቡ’ሎ፤ እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ መረፃ 4 ሚልየን ሕልፊ ኣለዎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:16 0:00

XS
SM
MD
LG