ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማእከል ምርምር ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ) ንዅነታት ኣየር ዘጽንዓ ክልተ ሳትላይት ናብ ህዋ ልኢኹ


ማእከል ምርምር ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ)፡ ካብ ኣየርላንድ ዝርከብ ማእከሉ፡ ንዅነታት ኣየርን ማዕበልን ዘጽንዓ ክልተ ናይ ምርምር ሳትላይት ናብ ህዋ ልኢኹ። እተን ክልተ ሮኬታት ብፍሉይ ናይ መጽናዕቲ ኰይነን፡ ካብ ሰማይ ንትሮፒካዊ ኩነታት ኣየርን ህቦቡላዊ ንፋሳትን ዝከታተላ ምዃነን ተሓቢሩ። ቅድሚ ሕጂ ናይ ኩነታት ኣየር ዝከታተላ ሳትላይት ከም ዝጸንሓ ዘመልከተ ናሳ እዘን ናይ ምርምር ሳትላይት ግን ዝደቐቐ መጽናዕቲ ዘቕርባ ምዃነን ኣመልኪቱ ኣሎ።

እዚ ብማእከል ምርምር ኣመሪካ ዝግበር ዘሎ ናይ ኩነታት ኣየር ዳህሳስ፡ ካልኣይ እብረ ኰይኑ፡ ብተመሳሳሊ ተልእኾ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ’ውን ካልእ ሳትላይት ናብ ህዋ ምልኣኻ እቲ ማእከል ምርምር ኣፍሊጡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG