ኣስታት ሰብዓ ሚእታዊ ትሮፒካዊ ሳይክሎን ኣትላንቲክ፣ካብ‘ቲ ኣብ በረኽቲ ከባቢታት ኢትዮዽያ ዝላዓል ቅልውላው‘ዩ ዝፍጠር።ስለዚ ኩነታት ኣየር ኢትዮዽያ ምፍላጥ ማለት ነቲ ኣብ ዩ-ስ ዝፍጠር ብርሰት ዘስዕብ ኩነታት ኣየር ምፍላጥ‘ውን ማለት‘ዩ።ብተወሳኺ እቲ ኣብ ውሽጢ ዞባ ትሮፒካዊ መጋጠሚ (Inter-tropical Convergence Zone) ዝእከብ ደበና ምብራቅ ኣፍሪቃ፣ኣብ መርየት ንዝራኣይ ሃሩር ኣየር ቀንዲ መንቀሊ‘ዩ።ብሓፈሽኡ ኣብ ኢትዮዽያ ዝፍጠር ኩነተ-ኣየር ምፅናዕ፣ኣብ ዩ-ስን ካልኦት ሃገራትን ንዝኽሰት ዝተፈላለየ ዝመልክዑ ለውጢታት ኣየርን ካልኦት ሳይንሳዊ ሕቶታትን ንምምላስ ኣንፈት ሓባሪ‘ዩ።
ኣብ ምዕዋት‘ዚ ሳይንሳዊ ምርምር‘ዚ፣NASA - ትካል ምርምር ህዋ ዩ-ስ ምስ ዶ/ር መኮንን ገብረሚካኤል ዝርከበሉ ሓደ ጉጅለ ኣብ መፅናዕቲ ይነጣጠፍ‘ሎ።
ዓይኒ ትካል ምርምር ዩ-ስ - ናሳ - ዝሳሓበሉ ኩነታት ተፈጢሩ'ሎ