ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያዊ ጠፈርተኛ ክሪኢ ትምኒተይ‘ዩ ኢሎም ሓላፊ NASA


ቻርለስ ቦልደን
ቻርለስ ቦልደን

ምርምር ህዋ ኣሜሪካ NASA ተማሃሮ ኢትዮዽያን ካልኦት ይዓብያ ዘለዋ ሃገራትን ተቀቢሉ ንክማሃሩ ዘኽእሎም ባይታ ኣጣጢሑሎ።

ነዚ ውጥን‘ዚ ወግዓዊ ዝገበሩ ናይ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ኣማኻሪ ጉዳያት ምርምር ህዋን ዳይረክተር ናሳ ቻርለስ ቦልደን‘ዮም።

ዳይረክተር ናሳ ቻርለስ ቦልደን፣ኣብ ናይ ኢትዮዽያ መገሸኦም ነቲ ኣብ ጎቦ እንጦጦ ተተኺሎም ዘለው ኣጉሊሆም ዘርእዩ መነፅራት ህዋ (ቴሌስኮፕ) እውን ተዓዚቦም‘ለው።

ኢትዮዽያዊ ጠፈርተኛ ክሪኢ ምኞተይ‘ዩ።ክኸውን‘ውን‘ዩ ኢሎም ንሶም።ካብ ዝመፅእ ሰነ-ሓምለ-ነሓሰ ዝጅምር ስልጠናን ትምህርቲን ድልየት ዘለዎም ተማሃሮ ኢትዮዽያ ናብ ማእከላት ናሳ ስሒብካ ናይ ምስልጣን ስራሕ ከምዝጅምር‘ውን ገሊፆም።

ሙሉእ ሪፖርት
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:15 0:00

XS
SM
MD
LG