ከፋፋሊ፣ብቑዕን ስልጣኖም ብዘይደረት ዝጥቀምኑን ተባሂሎም ይፅውዑ።ኣብ ህንዲ ኣብ ቀረባ ዓመታት ክንዲ ናይ ቀፃሊ ቀዳማይ ምንስቴር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ ዝኸውን ኣቓልቦ ዝረኸበ ፖለቲከኛ የለን።ፓርቶም ባህሪትያ ጃናታ ፓርቲ ብሰፊሕ ፀብለልታ ምርጫ ፓርላመንት ድሕሪ ምስዓሩ ካብ ሚስተር ሚዲ ብዙሕ ትፅቢት ይግበር።
ከም መጠን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ መነባብሮ ዝርከቡ ህንዳዊያን ኣብ ስራሕቲ ፅሪየት ዝተዋፈረ ባህግዋት ሲንግ ካብ ናይታ ሃገር ቁጠባዊ ዕብየት ተረባሒ ከምዘይኮነ ይዛረብ።
ብልሽዉና ኣብ ኩሉ ከምዝተዛመተን ገንዘብ ከይሃብካ ዝኾነ ነገር ክትፍፅም ኣይተኽእልን ይብል።ኣስዒቡ ‘’ሓደ ድኻ ሰብ ዝኾነ ጉድያ ክውድእ እንተደልዩ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኮለል የብሉዎ’’ይብል።
ግዕዝይና፣ቢሮክራሲ ዘይውዳእ ሕግን ኣሰራርሓን ኣብ ዓለም ዝዓበየት ዴሞክራሲ ንዘለዋ ህንዲ ክህውኹዋ ፀኒሖም።
ናረንድራ ሞዲ ግን ለውጢ ከምፅኡ ተስፋ ተገይሩሎም ኣሎ።ሻሂ ካብ ዝሽቅጥ ቤተ ሰብ ዝተወለዱ ሞዲ ክሳብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሃገራዊ ባህሪትያ ጃናታ ፓርቲ ብምድያብ ናይ ከፍለ ግዝኣት ጉጃራት ሓላፊ ምንስትራት ብምዃን ን13 ዓመታት ኣገልጊሎም።
ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበርሎም እዋናት ዝተፋለልዩ መሰረተ ልምዓት ብምህናፅን ኢንቨስትመንት ብምስሓብን ምዕራባዊ ክፈለ ግዝኣት ህንዲ ብቁጠባዊ ዕብየት ኣሰጋጊሮምዋ ክብሉ ደገፍቶም ይንእዱዎም።
መራሕቲ ንግዲ ህንዲ ሓዊሱ ብዙሓት ሰባት ሚስተር ሞዲ ቀዳማይ ምንስቴር ምስ ኮኑ ብደረጃ ሃገር እውን ከምዚ ዝበለ ለውጢ ከምፅኡ ትፅቢት ይገብሩ።
ኣብ ዋሽንግተን ዝመድብሩ ማእኸል ስትራተጂያውን ዓለምለኸ መፅናዕታትን ላዕለዋይ ተመራመሪ ዝኾኑ ሪክ ሮሶ እውን ከምኡ እዩ እምነቶም።
መራሕቲ ንግዲ እታ ሃገር ኣብ ሕጊ ለውጢ ክሪኡ ድልየት ከምዘለዎምን ቁጠባዊ ምምያሽ ክገብሩ፣ግዕዝይና ከጥፍኡን ትፅቢት ይገብሩ እዮም ኢሎም ብምስዓብ።
ዝበዝሑ ሰባት ኣብ መሪሕነት ሞዲ ተስፋ እንተገበሩ እውን ዝሰግኡ ክኣ ኣለው።ኣብ 2002 ኣ/ፈ ክፍለ ግዝኣት ጉጃራት ብሃይማኖታዊ ናዕቢ ክትሕመስ ከላ ዋላ ሓደ ነገር ኣይገበሩን ተባሂሎም ይኽሰሱ።መብዛሕቲኦም ኣመንቲ ምስልምና ዝኾኑ እንተውሓደ ሓደ ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም።
ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ህንዲ 63 ዝዕድሚኦም ሞንዲ ኣብቲ ህውከት ኣይተሳተፉን ኢሉ እንተፈረደ እውን ብዙሓት ብፍላይ ድማ 180 ሚሊዮን ስዓብቲ ምስልምና እታ ሃገር ሃገራዊነት ናይ ዘኽርር ናይ ሂንዱ ፓርቲ ናይ ነዊሕ እዋን ተሪር ኣባል ብምዃኖምም ሰጋእ ይብሉዎም።
ሙንዲ ኣብ ክንዲ ምስፍሕፋሕ ሃገራዊነት ህንዱ ኣብ ዕብየትን ልምዓትን ዘድህቡ እንተኾይኖም ህንዳዊያን ከቕልቡሎም እዮም ይብላ ኣብ ብሩኪንግስ ኢንስቲቱሽን ክኢላ ታንቪ ማዳን።
በቲ በለ በዚ ግን ሞንዲ ዝመርሑዎ ፓርቲ BJP ብሰፊሕ ኣፈላላይ ምስ ምስዓሩ ዝለዓለ ትፅቢት ተገይርሉ’ሎ።