ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ሞት ፕረዚደንት ናምቢምያ፡ ም/ፕረዚደንት ምቡምባ ቃለ መሓላ ፈጺሞም


ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ናምቢምያ ነበር ሃገ ጃኒጎብ
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ናምቢምያ ነበር ሃገ ጃኒጎብ

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ናምቢምያ ነበር ሃገ ጃኒጎብ፡ ኣብ መበል 82 ዓመት ዕድሚኦም ድሕሪ ምዕራፉም፡ ምኽትል ፕረዚደንት እንጎሎ ምቡምባ መሰጋገሪ ፕረዚደንት'ታ ሃገር ኰይኖም ትማሊ ሰንበት ቃለ-ማሕላ ፈጺሞም። ፕረዚደንት ነበር ጃኒጎብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ዩ ሕማም መንሽሮ ከምዘለዎም ተፈሊጡ።

ጊዝያዊ መሪሕነት ፕረዚደንት ዝተረከቡ ምቡምባ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከም ዘይወዳደሩ ድሮ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ኣብ 2014 ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኖም ዝተመረጹ ሃገ ጂኒጎብ፡ ኣቐዲሞም ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኰይኖም ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ ኮይኖም፡ ነታ ኣብ 1990 ናጽነታ ዝተረከበት ሃገረ ናምቢያ ድማ ሳልሳይ ፕረዚደንት’ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG