ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋ/ጸሓፊ ሕ/ሃ ወጥሪ ክሃድእ ይጽውዕ፣ ግብጺ ልኡላውነት ሶማል ክሕሎ ተዘኻኽር፡ ተጠንቅቕ


ፕረዚደንት ሶማል ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ኣብ ናይ ካይሮ ርክብ
ፕረዚደንት ሶማል ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ኣብ ናይ ካይሮ ርክብ

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ብዘተን ሰላማዊ መንገዲን ክዓርፍ ጸዊዑ። ጉተረዝ ነዚ መግለጺ ዝሃበ ብሰንበት ኣብ ካማፓላ ዩጋንዳ ኣብ መንጎ ዋዕላ ሃገራት ቻይና እትርከበን ጕጅለ 77’ዩ። “ኵሉ ግዜ ብመትከል ሓድነት፡ ልኡላውነት ኣባል ሃገራት ተቐዪድና ክንሰርሕ ኣገዳሲ’ዩ፡” ዝበለ ዋና-ጸሓፊ፡ “እቲ ዘሎ ፍልልይ ድማ ብዘተን ምርድዳእን ክፍታሕ ዘሎኒ እምንቶ ዓቢ’ዩ፡” ኢሉ።

ርእይቶ ጉተረዝ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝቐደመ ተመሳሳሊ ርእይቶታት መራሕቲ ሃገራትን ውድባትን’ዩ ዝውሰኽ ዘሎ። መሬታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ሶማል ክኽበር ድሮ መርገጺአን ኣስሚዐን ዘለዋ ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዓረብ ሊግን ይርከብአን።

እቲ ኣብ መንጎ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ መዘከር ስምምዕ፡ ንኢትዮጵያ ኣብ ወደብ በርበራ ን20 ኪሎሜተር ማእከል ሓይሊ ባሕሪ ክትረኽብ ዘፍቅድ ን50 ዓመታት ዝጸንሕ ውዕል’ዩ።

መቓዲሾ ነቲ ስምምዕ መዘከር “ወራር” ኢላ ትጽውዖ። ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ድማ ኣካላ ምዃና ሶማል ትምጉት።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ “ኣብ ልዕሊ ሶማል ዝቐርብ ምፍርራሕ ቦታ የብሉን፡” ክብል ብሰንበት መጠንቀቕታ ሂቡ።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ ምስቲ ንምብጻሕ ናብ ካይሮ ዝተረኽበ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸክ ማሕሙድ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ ነቲ መፈራርሒ ቃላት ተዛሪቡ። ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣስዒቡ “ዝዀነ ኣካል ንግብጺ ከፈራርሕ ዝኽእል የሎን። ንኣሕዋትና ሶማል’ውን ከምኡ። ከምኡ ጎኒፉዎም ንምእትታው ምስ ዝሓቱ ድሉዋት ኢና።”

መልእኽቲ ፕረዚደንት ግብጺ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ኰይኑ፡ “ብምርድዳእ እምበር ብሓይሊ ናይ ካልኦት መሬት ምግባት ኣየከኣልን፡” ኢሉ።

ኢትዮጵያ ግን ነቲ ብግብጺ ዝቐረበ ነቕፌታ ኣሉታዊ ምላሽ ሂባትሉ ኣላ። “ናይ ካልኦት መሬት ምውሳድ ወይ ድማ ልኡላውነት ካልኦት ሃገራት ምድፋር ኣይኰነን፡” ኢሉ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ። ከም መግለጺ እቲ ኣማኻሪ ጸጥታ፡ እቲ ጉዳይ ንግዳዊ ስምምዕ ምዃኑ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG