ዋሽንግተን —
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ዮን ኡን ሎሚ ሰሉስ 11 መስከረም 2023 ኣብ ርሑቕ ግዝኣት ሩስያ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑትን ተራኺቦም ተዘራሪቦም። ኣመሪካዊያንን ደቡብ ኮርያዊያንን ግና ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ ምቅብባል ኣጽዋር እዮም ክማኸሩ ኢሎም ይሰግኡ።
ሰበ-ስልጣን ሰሜን ኮርያ "እቲ ልዝብ፣ ኣብ ምልውዋጥ ኣጽዋርን ቴክኖሎጂን ዘድህብ እንተኾይኑ ንምንጻር ንከታተሎ ኣለና" ኢሎም ኣለው።
ልዝብ ኪምን ፑትንን ሰሜን ኮርያ ነቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ተካይዶ ውግእ ብኣጽዋር ንምድጋፍ ከመይ ከምትኽእል ክዘራረቡ’ዮም ዝብል ግምት ኣሎ። ብኣንጻሩ ሩስያ ንሰሜን ኮርያ ኣብ ምርምር ሳተላይትን ፕሮግራም ኑክሌርን ትጥቀመሉ ቴክኖሎጂ ክትቅርበላ ብዛዕባ ትኽእለሉ ኣገባብ ክዘራረቡ እዮም ይብል እቲ ዜና።
ቤተ መንግስቲ ሩስያ (ክረምሊን) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ መገሻ ኪም ኣብ ሩስያ ዝተማለአ ከምዝኸውን፣ እንካን ሃባን ከምዝህልው፣ ኣኻሊ እንተዘይኮይኑ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ብውልቀ ደረጃ ነቲ ጽምዶ ክቕጽልዎ እዮም ይብል።
ቅጥዒ