ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰ/ኮርያ ፈተነ ክሩዝ ሚሳይል ኣካይዳ


ብመንግስቲ ዝውነን ቴሌቪዥን ሰሜን ኮርያ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝተመሓላለፈ ፈነውኡ ብመራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ዝተመርሐ መርከብ ፈተነ ክሩዝ ሚሳይል ከካይድ ከሎ ዘርኢ ሓዱሽ ምስሊ ፈኒዩ። ከም ሓበሬታ እቲ ቴሌቪዥን ፈተነ ክሩዝ ሚሳይል ዝተኻየደ ትማሊ ሰምበት ምንባሩ እዩ። እዚ ሚሳይል ምስቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንመርኣያ ዝተመሓየሹ ሜላ ኣፅዋራት እታ ሃገር ዘወንጨፈቶም ክሩዝ ሚሳይላ (SLCM) ተመሳሰልቲ ምዃኖም ተሓቢሩ'ሎ።

እቶም ምስልታት ካብ ማይ ናብ ሰማይ ብትኪ ተዓብሊሉ ዝተወንጨፈ ሚሳይልን ናብ ጎቦታትን ሜዳን ኽዓርፍ ከሎ የርእይ።

ክሩዝ ሚሳይላት ሰሜን ኮርያ ብዙሕ ዘየካትዑን ብፍሉይ ኣብ ትሕቲ ውሳነታት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘይተኸልከሉን እዮም።

ይኹን’ምበር ተንተንቲ ኣብ ሞንጎ ሚሳይላት ክሩዝ ኮነ ባልስቲክ ሚሳይላት ናይ ስግኣት ምትሓት ዘይብሎም ኮይኖም ብዓብይኡ ድማ እዚ ንሰሜን ኮርያ ዓብዪ ተወሳኺ ዓቕሚ ምዃኑ ይገልፁ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG