ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሃፊ ሕ/ሃ ንሱዳን ሓገዝ ንምሃብ ሰፊሕ ጽምዶ ይካየድ ምህላዉ ገሊጾም


ፋይል
ፋይል

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንተንዮ ጉተረዝ ንሰብኣዊ ረድኤት ሱዳን ዝምልከት ሰፊሕ ጽምዶ ይካየድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ትማሊ ኣብ ኒውዮርክ ዝተሓተቱ ጉተረዝ፡ ኩለን ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ሰብኣዊ ረድኤት ንምእታው ብንጥፈት ይዋሳኣ ኣለዋ ድሕሪ ምባል ምኽትል ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ክለመንቲን ሳላሚ'ውን ነቲ ጻዕርታት ንምውህሃድ ኣብ ሱዳን`ዩ ዘሎ ኢሎም።

ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ጉተረዝ ብሕብረት ኣፍሪቃን ብኢጋድን ኣቢልና`ውን ንሱዳን ንምሕጋዝ ንጽዕር ኣለና ኢሎም ።

ንጸገማት ሱዳን፡ ኣፍሪቃዊ ፍታሕ ክድለየሉ ንዝግበር ጻዕሪ`ውን ንድግፎ ኢና ዝበሉ ጉተረስ ሱዳን ዝሓለፈ ዓርቢ ንፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ፐርተስ ፐርሶና ኖን ግራታ ብምባል መዝነቱ ከም ዘይትፈልጠሉ ብምሕባር ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣዚዛ'ያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG