ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ ዓሌት ሮሁንጃያ ዝኾኑ ስደተኛታት ማይነማር ህይወት ንምትራፍ ልዑል ሓገዝ ከምዘድልይ ሕ/ሃ ገሊጹ


ንብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ ዓሌት ሮሁንጃያ ዝኾኑ ስደተኛታት ማይነማር ህይወት ንምትራፍ ልዑል ሓገዝ ከምዘድልይ ሕ/ሃ ገሊጹ

ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ሕጂ እዋን ቁጽሪ እቶም ካብ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ግጭት ሃዲሞም ናብ ባንግላዴሽ ዝስደዱ ዘለው ካብ ዓሌት ሮሁንጃፓ ዝኾኑ ዜጋታት ማይነማር 123,000 ምብጽሑ ኣፍሊጡ።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታትን መሻርኽቱን ነዞም ስደተኛታት ህይወት ንምትራፍ ኣስታት 18 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከምዘድልይ ገሊጾም አለው።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ካብ ዓሌት ሮሁንጃያ ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ መዓልቲ ናብ ባንግላዴሽ ከምዝኸዱ ይገልጹ። እዞም ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ፋሕ ዝበሉ ኮይኖም ገለ ኣብ ዶብ እታ ሃገር ሓዲግ ተሪፎም ከምዘለው እዚ ትካል ወሲኹ ይሕብር።

እዚ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ነሓሰ 25, 2017 ዓ.ም ዝጀመረ ኮይኑ ገለ ናዕበኛታት ዓሌት ሮሁንጃያ ንትሸዓተ አባላት ፖሊስ ድሕሪ ምቕታሎም ስዒቡ ካልኦት ማሕበረሰብ እታ ሃገር ኣብ አባላት እቲ ዓሌት ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ድሕሪ ምውሳዶም እዩ።

ወሃቢት ቃል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ባንግላዴሽ እቶም ስደተኛታት ኣብ አጸጋሚ ኩነታት ከምዝርኸቡ መብዛሕትኦም ንመዓልታት ብዘይ መግብን ማይን ዝተጓዓዙ ምኳኖምን ብወታሃደራት ማይነማር ብዙሕ ግፍዒ ከምዝወረዶም ምግላጾም ትሕብር።

XS
SM
MD
LG