ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገለ ኣሜሪካውያን ንምስልምና ይቃወሙ ካልኦት ድማ ንምክእኣል ይሰብኩ


ፈጠርቲ ራዕዲ ንፅምዲ ህንፃታት ብነፈርቲ ዝወቕዕሉ ዕለት
ፈጠርቲ ራዕዲ ንፅምዲ ህንፃታት ብነፈርቲ ዝወቕዕሉ ዕለት

ህንፀት መስጊድ ናሽቪል ማእከል ምስሕሓብ ኮይኑ ኣሎ

ኣሜሪካውያን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣብ 11 መስከረም፣ፈጠርቲ ራዕዲ ብስም ሃይማኖት መጥቃዕቲ ክሳብ ዝፈፀሙሉ ጊዜ፣ብዛዕባ እስልምና ዝፈልጥዎ ኣይነበሮምን ወይካኣ ውሱን ፍልጠት‘ዩ ፀኒሕዎም።ሎሚ ግና ገለ ኣሜሪካውያን፣እስልምና ንዴሞክራሲ ኣሜሪካ መርዚ‘ዩ ክብሉ ከለው፣ካልኦት ድማ ንመሰል ሙስሊማት ተቀማጦ ኣሜሪካ ንምሕላው ብርቱዕ ፃዕሪ ገይሮም‘ዮም።

መርፊስቦሮ፣ውግእ ሕድ-ሕድ ዘተኣናገደት ከተማ ሓርበኛታት‘ያ።እወ፣ ሓደ እምነት ዓብላሊ ኮይኑ ዝዘለቀላን ኣብ ቅድሚ ታሪኻዊ ቤት-ፍርዲ መስቀል ዘለዎ ባንዲራ ዝውልብለበላን ከተማ ናሽቪል ተነስይ‘ያ።

ኣብ ስግር‘ቲ ፅርግያ ግና፣ጠበቃታት ሓድሽ መስጊድ ንክሃንፁ ይፈቀደልና ኢሎም ንክማጎቱ ይኣትው‘ለው።ነባሪት‘ታ ከተማ ሱዘን ኮይነር፣ብዛዕባ ምስልምና ሰሚዓ ከምዘይትፈልጥ‘ያ ትዛረብ፥

“ድሕሪ 11 መስከረም፣ብዛዕባ ምስልምና ክረኽቦ ዝኽእል ዘበለ ኩሉ ዓይነት ፅሑፋት ምንባብ ጀመርኩ።ምኽንያቱ፣እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ‘ዩ ንሰባት ኣለዓዒሉ ከቢድ ፅልኣት ንከሕድሩን ንሰላማዊያን ሰባት ክቀትሉን ዘኽእሎም ዝብል ሕቶ የጭንቀኒ ስለዝነበረ” በለት።

ጠበቃታት‘ታ ከተማ፣መሪሕነት ኮም-ሙስሊማት‘ታ ከተማ ምስ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ፅንፈኛታት እስላማውያን ምትእስሳር ኣለዎም ይብሉ።

ኢማም ኦሳማ ባህሉል ግና፣እዚ ሓቂ ኣይኮነን ይብል። “እዚ ቁራስ መርየት‘ዚ፣ሕልሚ ሙስሊማት ከተማ መርፊስቦሮ’ዩ።ኣብ‘ዚ ስፍራ እዚ፣መስጊድ ኢልና ንፅወዖ ቤተ-ፀሎት ክንሰርሕ ወጢና‘ለና።ካልእ ከም ስፍራ መሐመስን መዘናግዒ ስፍራ ንኣዋልዳት‘ውን ክንሰርሕ ኢና” ይብል።

ቅድሚ ሒደት ዓመት፣ኣብ ኒውዮርክ ጥቃ ማእከል ንግዲ ዓለም ነበር፣ እስላማዊ ህንፃ ክስራሕ‘ዩ ምስ ተባሃለ፣ሓያል ምስሕሓብ ከምዝተላዓለ ዝዝከር‘ዩ።

ሙስሊማት ብወገኖም፣ድሕሪ 11 መስከረም‘ውን እንተኾነ ኣብ ከተማ ሙርፊስቦሮ ንዘበናት ብሰላም ንነብር ኣለና ባሃልቲ‘ዮም።

XS
SM
MD
LG