ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ግብፂ ’ሙስሊም ብራዘርሁድ’ ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ተባሂሉ


ኣርማ ’ሙስሊም ብራዘርሁድ’
ኣርማ ’ሙስሊም ብራዘርሁድ’
መንግስቲ ግብፂ ንሙስሊማዊ ሕውነት(ሙስሊም ብራዘርሁድ) ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ክብል ብወግዒ ገሊፅዎ።ካይሮ ናብ‘ዚ ስጉምቲ‘ዚ ዝበፅሐት፣ድሕሪ ኣብ ልዕሊ መደብር ፖሊስ ዝተፈፀመ ቦምባዊ መጥቃዕቲ‘ዩ።

እዚ ሕጋዊ ኣፀዋውዓ‘ዚ፣ድሕሪ ምእላይ ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ፣ ቅፅበታዊ መቀይሮ ተባሂሉሉ‘ሎ።

ሕውነታዊ ሙስሊም ነቲ ርእሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ቦምብ ኣውጊዝዎ‘ዩ። ኣብ ሲና ዝንቀሳቀስን ምስ ኣል-ቃይዳ ዝወገነን ኣንሳር ቤት ኣል-ማቅዲስ ዝተባሃለን ጉጅለ ሓላፍነት ተቀቢሉ‘ሎ።

ወትሃደራዊ ድጋፍ ዝኸሰበ መንግስቲ ግብፂ ግና፣ብድሕሪ‘ቲ መጥቃዕታት ሙስሊም ሕውነታዊ ኣለዎ ክብል ንሙስሊም ብራዘርሁድ ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ኢሉ ገሊፅዎ‘ሎ።

ትርጉም እዚ ኣገላልፃ‘ዚ እቲ ጉጅለ ክእገድ‘ዩ፣ኣባላቱ ድማ ኣባላት ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ተባሂሎም ክኽሰሱ‘ዮም ማለት‘ዩ።

ተጠባባቂ ቀ/ሚ ግብፂ ሖሳም ኢሳ ”ብመንፅር‘ዚ፣ናብ‘ቲ ዝመፃናሉ ከምዘይንምለስ መንግስቲ ክገልፅ ይፈቱ። መንግስቲ ግብፅን ህዝባን‘ውን ብጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ሙስሊም ብራዘርሁድ ከምዘይሰናበዱ ነፍልጥ።ገበን ሙስሊማዊ ሕውነት ልዕሊ ኩሎም ሞራላዊ፣ ሃይማኖታዊን ሰብኣዊን ክብሪታት ዝሰገረ ኮይኑ‘ሎ” ኢሎም።

ሪኢቶኦም ዝሃቡ ኣባላት ሕውነታዊ ሙስሊም ግና ነቲ ጉጅለ ፈጣሪ ራዕዲ ዝብል ወግዓዊ ኣገላልፃ መንግስቲ ይነፅግዎ።ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ ካብ ማእሰርቲ ክሳብ ዝፍትሑ ተቃውሞኦም ከምዝቅፅል‘ውን ፈኪሮም‘ለው።

ድሕሪ ማእሰርቲ ሚስተር ሙርሲ ኣብ ግብፂ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ሞይቶም‘ዮም።
XS
SM
MD
LG