ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባላት ነገድ ሙርሌ ኣብ ክልል ጋምቤላ መጥቓዕቲ ብምፍጻም 14 ሰባት ቐቲሎም 22 ህጻናት ጨውዮም


አባላት ነገድ ሙርሌ ደቡብ ሱዳን ዝኾኑ ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ኣብ ልዕሊ ኣብ ክልል ጋምቤላ ማሕበረሰብ አኝዋኽ መጥቓዕቲ ብምፍጻም ልዕሊ 14 ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ዝርኸብዎም ሰባት ምቕታሎም ተገሊጹ።

ትማሊ ምሸት ጥራይ 11 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ሰለስተ ሰባት አብ ኣባይቶም ከለው ከምዝነደዱ 22 ቆልዑ ተጨውዮም ከምዝተወሰዱን ሓላፊ ምርብራብን ፕሮፓጋንዳ ግንባር ጥምረት ዲሞክራሲያዊ ጋምቤላ አቶ ኡመድ አቡርታት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ንሰበ ስልጣን ክልል ጋምቤል ንምርኻብ ዝተኻየደ ፈተነ ኣይተዓወተን።

XS
SM
MD
LG