ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሙኒኽ ጀርመን 9 ሰባት ዝቐተለ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ተኻይዱ


ኣብ ሙኒኽ ጀርመን ብዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ: ንፈጻሚ'ቲ ግብረ ሽበራ ሓዊስካ 10 ሰባት ተቐቲሎም። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ከተማ ሙኒኽ ኣብ ዝርከብ ማእከል ዕዳጋ ብዝተኸፍተ ቶኽሲ'ዩ ኣጋጢሙ።

ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ ጀርመን ፈጻሚ ናይቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኢራናዊ መቦቆል ዘለዎ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ጀርመናዊ እዩ።

ንሱ ምስ ፖሊስ ድሕሪ ዝተኻየደ ምልውዋጥ ቶኽሲ ነብሱ ባዕሉ ከምዝቐተለ ፖሊስ ጀርመን ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርከል ድሕሪቲ መጥቃዕቲ ብኡንብኡ ህጹጽ ናይ ጸጥታ ኣኼባ ከምዝጸወዐት ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ድማ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተመሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ ነታ ቀንዲ መሓዛ ሃገሮም ዝኾነት ጀርመን ንምሕጋዝ ኩሉቲ ዘድሊ ንምቕራብ ኣመሪካ ድልውቲ ምህላዋ ገሊጾም።

ከተማ ሙኒኽ ሳልሰይቲ ዝዓበየት ጀርመናዊት ከተማ እያ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፤ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ 17 ዓመት ዝዕድመኡ ሓደ ኣፍጋናዊ ስደተኛ ኣብ ሓንቲ ንእሽተይ ከተማ ጀርመን ፋስን ካራን ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ተሳፈርቲ ባቡር መጥቃዕቲ ፈጺሙ ኔሩ።

በቲ ሓደጋ ኣርባዕተ ሰባት ቆሲሎም። እቲ ፈጻሚ መጥቃዕቲ ግን ብፖሊስ ምቕታሉ ብተወሳኺ ተፈሊጡ።

XS
SM
MD
LG