ዋሽንግተን —
ኣብ መንጎ ኣመንቲ እስልምናን ሂንዱን ምትፍናን ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ሰብ-መዚ ሙምባይ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ሓያሎ ግዜያውያን ኣብያተ-ሸቐጥ ኣመንቲ እስልምና ኣፍሪሶም።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝዀነ ኔራንድራ ሞዲ፡ ናይ ሂንዱ ቤት መቕደስ ድሕሪ ምምራቑ፡ ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ምትፍናን ኣብ ዝዓርገሉ እዋን’ዩ።
ብሰንበት ዝበዝሕ ኣመንቲ እስልምና ኣብ ዝቕመጥሉ ኣከባቢ፡ ኣመንቲ ሂንዱ ንእምነት እስልምና ዘነኣእስ ጭርሖታት ምስማዖምን መጠናዊ ጎንጺ ምጕናፉን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይሕብር።
ሰብ-መዚ ሙምባይ እቲ ምፍራስ ኣብያተ-ሸቐጥ ነቲ ከባቢ ንምጽፋፍ ምዃኑ ይሕብሩ። ንብረቶም ዝፈረሰሎም ግን ደይ-መደይ ኢልካ ዝተገብረ ምዃኑ ይምጉቱ።
ቅጥዒ