ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሙሉቀን መለሰ ዓሪፉ


​ሙሉቀን መለሰ
​ሙሉቀን መለሰ

ሙሉቀን መለሰ ብዝሓደሮ ህመም ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 69 ዓመት ዕድሚኡ ትማሊ ስሉስ 9 ሚያዝያ 2024 ካብዛ ዓልም ምፍላዩ ሓደ ኣባል ስድራቤቱ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ኣብ ዳማ ኪዳነ ምህረት ዝተባህለ ቦታ ዝተወልደ ሙሉቀን ኣብ ሽዱሽተ ዓመቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኸደን ኣብቲ ንህይወት ታሪኩ ዝገልጽ ዝወጸ ጽሑፍ ይሕብር።

ወዲ 12 ዓመት ከሎ ደርፊ ኣብ ናይ ምሸት መዘናግዒ ቦታታት ዝጀመረ ሙሉቀን ኣብ 1960ታት ን ኬስትራ ፖሊስ ሰራዊት ብምጽንባር ስርሓቱ ከበርክት ጀሚሩ። "ሄደች ኣሉ"፡ "እቴ እንዴት ነሽ ገዳዎ"፡ "ምነው ከረፈደ"፡ "ይገረም ይህ ልቤ"፡ "ሌቦ ነይ"፡ "ናኑናኑ ነይ" ብዝብላ ዜማታት ዝፍለጥ ሙሉቀን ድሒሩ ብመንፈሳዊ መዝሙር የገልግል ኔሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG