ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሙሉኣለም ተዓዋቲ ውፅኢት ምህዞ ሳይንስን ቴክኖሎጂን 2005


Mulualem Hailemariam
Mulualem Hailemariam

ሙሉኣለም ነዳዲ ካብ Ethanolን Biodieselን ብኸመይ ከምዝርከብ ኣብ ውፅኢት ምህዝኡ ብተግባር ኣርእዩ’ሎ

ኣብ MIT ተምሃራይ ራብዓይ ዓመት ምህንድስና ስነህይወታውን ከሚካልን ሙሉኣለም ሃይለማርያም ኣብ መዛዘሚ ዓመተ 2005 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ውፅኢት ምህዞ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ታዓዊቱ፡፡

ኣብቲ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝተሳለጠ መድረኽ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝወከሉ ተዓወትቲ ውፅኢት ስራሕቶም ሒዞም ቀሪቦም፡፡ በዚ መሰረት መንእሰይ ሙሉኣለም ንዩኒቨርሲቲ መቐለ ወኪሉ ዘቕረቦ ምህዞ ንፍልፍል ሓይሊ ዝውዕል ውፅኢት ምርምር ዝበለፀ ኮይኑ ተሓርዩ ተሸሊሙ’ሎ፡፡

ሙሉኣለም ነቲ ዋኒን ምምርማር ተምሃራይ ካልኣይ ዓመት እንሃለወ ከምዝጀመሮ ይገልፅ፡፡ ኣብ ምጥቃም ነዳዲ ዘድሀበ ኮይኑ ኣብ ከባቢያዊ ሃፍቲ ወላ ሓደ ኣሉታዊ ፀቕጢ ዘይፈጥርን ካብ ተፈጥሮኣዊ ተኽሊ ዝርከብን እዩ፡፡

ሙሉኣለም ነዳዲ ካብ Ethanolን Biodieselን ብኸመይ ከምዝርከብ ኣብ ውፅኢት ምህዝኡ ብተግባር ኣርእዩ’ሎ፡፡ እቲ ሓሳብ ቅድሚ ሰለስተ ዓማውቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ነብስሔር መለስ ዜናዊ ዝፀሓፍዎ ኢትዮጵያ ካብ ብኽለት ነፃ ዝኾነ ቁጠባዊ ዕብየት ክተምፅእ ኣብ ዝሕብር መፅሓፍ መበገሲ ክኾኖ ከምዝኻኣለ ይዛረብ፡፡

እዚ ካብ Biodiesel ዝርከብ ነዳዲ ፍልፍሉ ሓረስቶት ኢትዮጵያ ዘፍርይዎ ጃትሮፋ ዝባሃል ተኽልን ከም ሰናፍጭ ዝኣመሰሉን ባእታታት ከምዝተጠቐመ ድማ ሙሉኣለም ይነግረና፡፡

እዚ መንእሰይ እዚ ምሂዙዎ ዘሎ ንነዳዲ ዝውዕል ፍልፍል ሓይሊ ርኡይ ሓለፋታት ኣለዎ፡፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብሃገር በቆል ቴክኖሎጅን ሓይሊሰብን እዩ ዝሰናዳእ፡፡ ሓረስታይ ንፍልፍል እቶት ዝጠቕሞ ምህርቲ እታወት ነዳዲ ኣፍርዩ ኣብዚ ዓውዲ ልምዓት እዚ ንዝወፍሩ ሰብ ሃፍቲ ኣቕሪቡ ክጥቀም የኽእሎ፡፡
በዚ መንገዲ ‘ዚ ድማ ሕብረተሰብ ይርባሕ፡፡ እዚ ድማ ፅሩይን ቀፃልነት ዘለዎ ክሕደስ ዝኽእል ምንጪ ነዳዲ ስለዝኾነ ኣብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ፅዕንቶ ዘይፈጥርን ብልሙድ ናይ ዓለምና ዋዒ እንብሎ ፀገም ንዘይምውሳኽ ዝረድእን ውፅኢት ምርምር ምዃኑ ሙሉኣለም ገሊፁ’ሎ
Mulualem Hailemariam
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:13 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG